ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኣብ ከተማ ወልቂጤ ብዝተላዕለ አድማን ተቓውሞን ክልተ ሰባት ምሟቶም ነበርቲ ሓቢሮም


ኣብ ደቡባዊ ኢትዮጵያ ዞባ ጉራጌ ከተማ ወልቂጤ ቅድሚ ሰሙን ዝተጀመረ አድማ ኣብ ዘብቕዓሉ ዘሎ እዋን ዝተአሰሩ ከምዘይተፈትሑን ሕቶታቶም ከምዘይተመለሰሎም ንድምጺ ኣሜሪካ ዝሓበሩ ነበርቲ አሽንዃ’ዶ ዝተአሰሩ ክፍትሑ ንሕና’ውን ንድለይ ኢና ዘለና ይብሉ። ምምሕዳር’ቲ ክልል ኣብ ዝሃቦ ምላሽ ዝተአሰሩ ብደረቕ ገበን’ዮም ይብል።

ዝሓለፈ ሰሙን ዝጀመረ ናይ ስራሕ ደው ምባልን ካብ ገዛ ዘይምውጻእ አድማ ከተማ ወልቂጤ ስዒቡ ብዝተላዕለ ተቓውሞን ዝተላዕለ እምባጓሮ ክልተ ሰባት ከምዝሞቱን ካልኦት ቁጽሮም ዘይተፈልጠ ከምዝቆሰሉ ናይ ዓይኒ መሰኽኻክር ይገልጹ።

መንግስቲ’ቲ ክልል ዝሞተ ሰብ ሓደ ጥራይ እዩ ይብል።

ምክንያት’ቲ አድማን ተቓውሞን ጸገም ልምዓትን ጸገም ሰናይ ምሕደራን ምኳኑ ነበርቲ ይጠቕሱ።

እቲ ንሰለስተ መዓልታት ዝተጸውዓ አድማን ንሰሙን ዝቀጸለሉ ምክንያት ምሟት እቶም ክልተ መንእሰያትን ምእሳር ካልኦትን ምዃኑ ሽሞም ክግለጽ ዘይደለዩ ናይ ዓይኒ ምስክር ካብቲ ቦታ ይሕብሩ።

ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል።

XS
SM
MD
LG