ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኢትዮጵያ፡ መብዛሕትኦም ኣባላት ኮሚቴ ወልቃይት ይፍትሑ ኣለው


አዲስ አበባ መስቀል አዲስ አበባ ድሕሪ ኣዋጅ ህጹጽ እዋን የካቲት 21,2018
አዲስ አበባ መስቀል አዲስ አበባ ድሕሪ ኣዋጅ ህጹጽ እዋን የካቲት 21,2018

ኣብ ኢትዮጵያ ክልል ኣምሓራ ካብ 2008 ዓ.ም ጀሚሩ ምስ ሕቶ መንነት ወልቃይት ብዝተኣሳሰረ ዝተኣስሩ ኣባላት ኮሚቴ፣ደገፍትን ምስ ተቓውሞ ተተሓሒዙ ዝተኣስሩን ሰባት ሎሚ ተፈቲሖም።

ኣቶ ኣታላይ ዛፌ፣ኣቶ ተሻገር ወልደሚካኤል፣ኣቶ ጌታቸው ኣደመ፣ኣቶ መብራህቱ ጌታሁንን ዝርከቡዎም ተፈቲሖም ኣለው።

ፈፃሚ ስራሕ ኢህወዴግ እሱራት ንክፍትሑ ብዝወሰኖ መሰረት ካብ ዝሓለፈ ሶኑይ ጀሚሩ መብዛሕትኦም ኣባላት ኮሚቴ ወልቃይት ይፍትሑ ኣለው።

ተጋዳላይ ህውሓት ዝነበሩን ስዒቡ ድማ ኣብ 2005 ዓ.ም ካብ ቅድሚ ምውፅኦም ኣባል ሰራዊት ምክልኻል ዝነበሩ ድሒሮም ኣባል ኣመራርሓ ኮሚቴ ወልቃይት ዝነበሩ ኮሎኔል ደመቀ ዘውዱ ብቕድሚ ትማሊ ሶኑይ ምፍትሖም ይፍለጥ።

ንሶም "ሕገ መንግስቲ ተኸቲልና ዘልዓልናዮ ሕቶ ምላሽ ስለዘይረኸበ ሕቶ ምቕራብና ክቕፅል እዩ’’ኢሎም ኣለው።መንግስቲ ለውጢ ዝደሊ እንተኾይኑ ናይ ምሁራን ሓሳብ ይስማዕ፤ቀዳማይ ሚንስትር ብምቕያር ጥራሕ ዝመፅእ ለውጢ የለን" ኢሎም ኣለው።

XS
SM
MD
LG