ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ብሰንኪ ኣድማ መማህራን ዞባ ወላይታ ተዓጽዮም ዝነበሩ ኣብያተ-ትምህርቲ ምኽፋቶም ተገሊጹ

ሃዋሳ
ሃዋሳ

ኣብ ደቡባዊ ኢትዮጵያ ዞባ ወላይታናይ ክልተ ወርሒ ደሞዝና ኣይተኸፈለናን ብዝብል ኣድማ መማህራን ኣብያተ ትምህርቲ ንሰሙናት ተዓጽዮም ድሕሪ ምጽናሕ ሕጂ ከም ዝተኸፍቱ ይግለጽ ኣሎ።

ንድምጺ ኣመሪካ ዝተዛረቡ መማህራን ካብ ዝሓለፈ ዓርቢ ጀሚሮም ደሞዞም ክኽፈሉ ከም ዝጀመሩ ሓቢሮም ኣለዉ። ኣቦ መንበር ማሕበር መማህራን ክልል ደቡብ ኢትዮጵያ ኣቶ ኣማንኤል ጳውሎስ፡ ኣስታት 17-ሺሕ ዝኾኑ መማህራን ደሞዞም ክኽፈሎም ክጽበዩ ከም ዝጸንሑ ገሊጹ`ሎ።

መንግስቲ'ቲ ክልል`ውን ነዚ ከምኡ ዝበለ ምድንጓይ መሃያ መማህራን ዘላቒ ፍታሕ ክደልየሉ ጸዊዑ`ሎ ።

This item is part of

ቅጥዒ

XS
SM
MD
LG