ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ማሕበር ልምዓት ወጀራት ዕስራ ዓዲ ዓለምለኻዊ መተኣኻኸቢ እቶት ኣካይዱ


ማሕበር ልምዓት ወጀራት ዕስራ ዓዲ
ማሕበር ልምዓት ወጀራት ዕስራ ዓዲ

ማሕበር ልምዓት ወጀራት ዕስራ ዓዲ ኣብቲ ወረዳ ንዘለዉ ማሕበረ ቁጠባዊ ፀገማት ንምፍታሕ ኣብ ፃዕሪ ከምዝርከብ ኣፍሊጡ።

ዛጊድ ኣብ ዘካየዶም 2 ዓለምለኻዊ መድረኽ መተኣኻኸቢ እቶት ልዕሊ 35 ሚልየን ቅርሺ ከምዝተረኸበ እውን ገሊፁ'ሎ።

ኣቦ ወምበር መድረኽ መተኣኸቢ እቶት እቲ ማሕበር ዶክተር ሓጐስ ኣብርሃ ንድምፂ ኣመሪካ ኣብ ዝሃብዎ ሓፂር መግለፂ ዛጊድ ኣብ ከተማታት ኣዲስ ኣበባን መቐለን ዘካየዶ መድረኻት መተኣኻኸቢ እቶት ዝተባባዕ ውፅኢት ከምዝተረኸበ ገሊፆም።

በቲ ዝእከብ ዘሎ ገንዘብ ኣብቲ ቃልሲ ቀዳማይ ወያነ ዝተወለዐሉ ማእኸል ወጀራት ማለት እውን ዓዲ ቀይሕ ሓደ ደረጅኡ ዝሓለወ ቤት ትምህርቲ ንምህናፅ፣ከምኡ እውን ኣብቲ ወረዳ ስእነት ፅሩይ ዝስተ ማይ ንምቅላል፣ ካብ ጣብያ ናብ ጣብያ ዘራኽብ መንገድን ትካላት ጥዕናን ንምስራሕ ተተሊሙ'ሎ።

ንድፊ ፕላን - ማሕበር ልምዓት ወጀራት ዕስራ ዓዲ
ንድፊ ፕላን - ማሕበር ልምዓት ወጀራት ዕስራ ዓዲ

እቲ ሳልሳይ መድረኽ መተኣኻኸቢ እቶት ኣብ ውሽጢ ጳጉሜን ኣብ ከተማ ዓዲ ቀይሕ ክካየድ እዩ ኢሎም ዶክተር ሓጐስ።

እቲ ማሕበር ቅድሚ 10 ዓመት ከም ዝተመስረተን ኣብ ዝተፈላለዩ ውራያት ልምዓት ክሳተፍ ምፅንሑን ተፈሊጡ'ሎ።

ማሕበር ልምዓት ወጀራት ዕስራ ዓዲ ዓለምለኻዊ መድረኻት መተኣኻኸቢ እቶት ኣካይዱ
please wait

No media source currently available

0:00 0:04:03 0:00

XS
SM
MD
LG