ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ተፈኖን ወዲ ዛግርን ካብ ኣስመራ፡ ሰለሞን ሃይለ ድማ ካብ ኣዲስ ኣበባ ምስ ቪኦኤ የዕልሉ


ሰለስቲኦም ስነ-ጥበባያን፡ ንሙዚቃ ዝኸውን ዓቕምታትን ስራሕን ኣብ ዓድኻ `ዩ ዘሎ ይብሉ

ሙሉጌታ በይን-ወዲ ዛግር ድሕሪ 17 ዓመታት`ዩ ንኤርትራ ዝምለስ ዘሎ፡ ኣኽሊሉ ፈቶ-ተፈኖ ድማ ድሕሪ 10 ዓመት።

ክሊቲኦም፡ ብናብራ ኣመሪካ እናማኸነኻ ሓደስቲ ደርፍታት ካብ ምፍራይ ምህዳም`ኳ ጽቡቕ እንተዘይኮነ፡ ኣብ ኣመሪካ ግዜ ጥራይ ዘይኮነስ፡ እቲ ዓቕምታትን ዘማኽረካ ሰብን`ውን ምርካብ ኣጸጋሚ`ዩ ይብሉ።

ተፈኖ ብተወሳኺ፡ ኣብ ኤርትራ ናይ ሙዚቃ ኮለጅ ክኽፈት ይደሊ።

ካልእ ጋሻ መደብ ቄሐ-ጽልሚ ሰለሞን ሃይለ`ዩ። ቅድሚ ሎሚ ክልተ ካሴታት ብምውጻእ እናዓምበበ ዝኸይድ ዘሎ ኣርቲስት`ዩ። “ዝርይርይ” ትብል ኣብ ኣዲስ ኣበባ ዘውጽኣ ሓዳስ ንጽል ዜማ ዝያዳ ተፈታዊት ኮይና ትርከብ።

ብዝኾነ ንምሉእ`ቲ መደብ ኣብ ምልክት ድምጺ ጠዊቕኩም ክትሰምዑ ትኽእሉ፡

XS
SM
MD
LG