ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኣብ ኣስመራ ስልጠና ሞያ ማእለማ ይወሃብ ኣሎ


ኣብ ኣስመራ ስልጠና ሞያ ማእለማ ይወሃብ ኣሎ
please wait

No media source currently available

0:00 0:06:18 0:00

ኣብ ኣስመራ ስልጠና ሞያ ማእለማ ይወሃብ ኣሎ

ኣብ መሰልጠኒ ማእከል ሚንስትሪ ዕዮን ማሕበራዊ ድሕነትን(ደብዓት) ስልጠና ሞያ ማእለማ ይወሃብ ኣሎ።

እቲ ስልጠና መቐጸልታ ናይቲ ኣቐዲሙ ብሃማደኤ ዝተዋህበ ናይ ኣሰልጠንቲ ስልጠና ኮይኑ ካብ 10 – 20 ዓመት ኣብ ሞያ ማእለማ ክሰርሓ ዝጸንሓ፡ኣንስቲ ስዉኣት፡ዝተጣየሳ ተጋደልትን ሃገራዊ ኣገልግሎትን፡ጽጉማትን ኣለይቲ ስድራ ከም ዝኾና ነቲ ስልጠና ዝህብ ዘሎ ዲዛይነርን ናይ ፋሽንን ጨርቅን መምህር ነጋሲ ተስፋጼን ንድምጺ ኣመሪካ ሓቢሩ።

ቀንዲ መበገሲ ናይቲ ስልጠና ነቲ ልሙድ ፍርያት ዙርያ፡ብሓድሽን ዘመናዊ ኣገባብ ንምቕያር ካብ ዝብል ሓሳብ ዝነቐለ ከም ዝኾነ መምህር ነጋሲ ይገልጽ።

እቲ ን30 ደቂ ኣንስትዮ ዝወሃብ ዘሎ ስልጠና ባዕሉ ብዘዳለዎ ደረጅኡ ዝሓለወ መምሃሪ መጽሓፍ ተሰንዩ ብግብርን ክልሰ-ሓሳብን ዝወሃብ ኮይኑ ካብ ምጥምጣም ፈትሊ ክሳብ ምፍራይ በበይኑ ዓይነት ዓለባ ዘጠቓልል ከም ዝኾነ ነጋሲ ኣረዲኡ።

ቅጥዒ

XS
SM
MD
LG