ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኣብ ጎረባብቲ ሃገራት ዝተራእየ ሕማም ውጽኣት ኣብ ኤርትራ ክሳብ ሕጂ ከምዘይተራእየ ዳይሬክተር ክፍሊ ህዝባዊ ጥዕና ገሊጾም


ዳይረክተር ክፍሊ ህዝባዊ ጥዕና ዶክተር ዓንደብርሃን ተስፋጸን
ዳይረክተር ክፍሊ ህዝባዊ ጥዕና ዶክተር ዓንደብርሃን ተስፋጸን

ኣብ ኤርትራ ብቫይረስ፣ብባክተሪያን ፕሮቶዞዋን ዝመጽኡ ዝተፈላለዩ ሕማማት ውጽኣት ከምዝረኣዩን እቶም ብብዝሒ
ዝረኣዩ ግን ኣሜባን ጃርዲያን ከምዝኮኑ ኣብ ሚኒስትሪ ጥዕና ግዝያዊ ዳይረክተር ክፍሊ ህዝባዊ ጥዕና ዶክተር
ዓንደብርሃን ተስፋጸን ገሊጹ።

እዋናዊ ሕማማት ከም ኮለራ(ቅጽበታዊ ማያዊ ውጽኣት) ዓሚ ይኹን ሎሚ ዓመት ኣብ ጎረባብቲ ሃገራት ከምዝተራእየ
ዝገለጸ ዶክተር ዓንደብርሃን ፣ ብዝተገብረ ውሁድ ናይ ምክትታልን ቅድመ ምድላውትን ዛጊት እቲ ሕማም ኣብ
ኤርትራ ከምዘይተራእየ ሓቢሩ።

ዶ/ር ዓንደብርሃን ምሕጻብ ኢድ ካብ ዝተፈላለዩ ሕማማት ስለዝከላከል ሕብረተሰብ ኢድ ምሕጻብ ከዘውትር፡ፍሉያት ሕማማት ምስዝረኣዩ ከኣ ተቀላጢፉ ክሕብር ከምዝግባእ መልእኽቶም ኣመሓላሊፉ።

ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል።

XS
SM
MD
LG