ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኣብ ኣዲስ አበባ ዝተኻየደ ኣኼባ ሚንስትራት ማይ ኢትዮጵያ፣ግብፅን ሱዳንን ተዛዚሙ


ኣብ ኣዲስ ኣበባ ኣብዝተኻየደ ኣኼባ ሚንስትራት ማይ ኢትዮጵያ፣ግብፅን ሱዳንን ብዓወት ተዛዚሙ ክብል ሚንስትሪ ጉዳያት ወፃኢ ኢትዮጵያ ሓቢሩ።እቶም ሚንስተራት እዘን ሃገራት ኣብ ዓብዪ ግድብ ህዳሴ ዑደት ብምግባር ንሕቶታቶም ዘዕግብ ምላሽ ረኺቦም ኣለው ክብሉ’ውን ወሃቢ ቃል ሚንስትሪ ወጻኢ ጉዳያት ኢትዮጵያ ገሊጾም።

ወሃቢ ቃል ሚንስትር ወፃኢ ጉዳያት ኢትዮጵያ ኣቶ መለስ ኣለም ሎሚ ኣብዝሃብዎ ሰሙናዊ መግለፂ ኣኼባ ሚንስትራት ማይ ኢትዮጵያ፣ግብፅን ሱዳንን ብዓወት ተዛዚሙ ኢሎም።

ቅድሚ ሎሚ ብናይ ቴክኒክ ኮሚቴ መዕለቢ ዘይረኸቡ ጉዳያት በቶም ሚንስትራት ሃናፂ ምይይጥ ከምዝተኻየደሎም ገሊፆም።ናይቲ ግድብ ተፅዕኖ ብዝምልከት መፅናዕቲ ንዘካይድ ዓለምለኸ ኣማኻሪ ጉጅለ ዝኸውን መምርሒ ብሰለስቲአን ሃገራት ምድላው እውን ኣቶ መለስ ገሊፆም።

“ኣማኻሪ ንምምራፅ’ዃ ኣፀጋሚ ዝኾነሉ እዋን ነይሩ።ስለዚ ኣብ መንጎ ሚንስትራት ወፃኢ ማይ ኢትዮጵያ፣ግብፅን ሱዳንን ዝተኻየደ ኣኼባ ኣዚዩ ዕውት ነይሩ።ካብዚ ብተወሳኺ ሚንስትራት ማይ ግብፅን ሱዳንን ንግድብ ህዳሴ ከይዶም ሪእዮምዎ ኣለው።”

እቶም ሰበስልጣን ኣብቲ ግድብ ብኣካል ኣብዝተረኸብሉ እዋን ንዝምለከቶም ሓለፍቲ ናይቲ ግድብ ሕቶታት ኣቕሪቦም ዘዕግብ መልሲ ምርካቦም ኣቶ መለስ ወሲኾም ገሊፆም።

ኣብ ዝተፈላለዩ እዋናት ካብ ዝተፈላለዩ ወገናትን መራኸቢ ማዕኸናትን ዝንፀባረቑ ርእይቶታት እንተሃለው እውን ትኽከለኛ መርገፂ ተገይሮም ዝውሰዱ መንግስቲ ግብፂ ኣብ ዝተፈላለዩ መድረኻት ዘንፀባርቖም እዮም ኢሎም።

ኢትዮጵያ ምስ ግዳብ ህዳሴ ብዝተኣሳሰር ዘለዋ መትከል ምስ ግብፅን ሱዳንን ብምትሕብባር ንኣጠቓቕማ ወሰን ተሳገርቲ ሩባታት ብሓባር ናይ ምርባሕ፣ፍትሓዊነት፣ምኹነይነትን ርኡይ ጉድኣት ናይ ዘይምብፃሕ ዝብሉ መትከላት እያ ትኽተል ኢሎም።

ብሰለስቲአን ሃገራት ዝተመረፀ ዓለምለኸ ኩባኒያ ኣብ ልዕሊ ዓብዪ ግዳብ ህዳሴ ዘካይዶም መፅናዕትታት ክልተ እዮም።እቲ ቀዳማይ ናይ ሓይሊ መመንጨዊ ከምኡ እውን ሓሳባዊ ትግበራ ሃብቲ ማይ ዝተብሃለ ክኸውን ከሎ እቲ ካልኣይ ድማ መፅናዕታዊ ዳህሳስ ዶብ ሰገር ማህበራዊ፣ቁጠባውን ኣካባቢያውን ተፅዕኖ ዝብሃል እዩ።ስለስቲኦምሚምንስትራት ቀፃሊ ዝርርብ ከምዘካይዱ እውን ኣቶ መለስ ኣለም ሓቢሮም።

ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል።

XS
SM
MD
LG