ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ሓደ ትካል ቴክኖሎጂ ኣመሪካ ካብ ኣየር ጽሩይ ዝስተ ማይ ንምቕራብ ይሰርሕ


ሓደ ትካል ቴክኖሎጂ ኣመሪካ ካብ ኣየር ጽሩይ ዝስተ ማይ ንምቕራብ ይሰርሕ
please wait

No media source currently available

0:00 0:03:19 0:00

ሓደ ትካል ቴክኖሎጂ ኣመሪካ ካብ ኣየር ጽሩይ ዝስተ ማይ ንምቕራብ ይሰርሕ

ተበጻሕነት ጽሩይ ዝስተ ማይ ኣብ ብዙሕ ክፋላት ዓለም ኣጸጋሚ እናኾነ ይመጽእ ኣሎ። ሓደ ትካል ቴክኖሎጂ ኣመሪካ፡ ኣብዛ ሃገር ማዕረ ዕድላት ንዘይረኽቡ ማሕብረ-ሰባት፡ ጸገማት ዝስተ ማይ ኣብ ምፍታሕ ከም ዝርከብ ይገልጽ ኣሎ።

ውሑስ ዝስተ ማይ ኣገዳሲ ቐረብ`ዩ።ብመሰረት ውድብ ጥዕና ዓለም ኣብ ምሉእ ዓለም ካብ ሓሙሽተ ሰባት ሓደ ጽሩይ ዝስተ ማይ ኣይረክብን። ኣብ ኣመሪካ'ኳ ልዕሊ ክልተ-ሚልየን ኣመሪካውያን ማይ ቦምባ የብሎምን። ሕጂ ሓደ 'ዲግዲፕ' ዝተባህለ ዘይ-መኽሰባዊ ትካል፡ ነቲ ጸገም ክፈትሕ ይሰርሕ ኣሎ። ጁሊ ወክተር ሓላፊት`ቲ 'ዓሚቕ ኩዕታ' ዝብል ትርጉም ዘለዎ ዲፕዲግ ዝተባህለ ትካል`ያ። ንሳ ከምዚ ትብል፡“ኣብ ኣመሪካ ደቀባት ኣመሪካውያን ስድራቤታት፡ 19 ዕጽፊ ካብ ጸዓዱ ማይ ቦምባ የብሎምን። ጸለምትን ላቲንን ስድራቤታት ድማ ዕጽፊ ናይ ጸዓዱ ከምኡ ጽሩይ ዝስተ ማይ ኣይረኽቡን።”

ናቫሆ ኔሽን ዝብሃል ዝዓበየ ክፋል ደቀባት ኣመሪካውያን ዝነብርሉ ከባቢ`ዩ። ንኸባብታት ምዕራባውያን ግዝኣታት ዩታሃ፡ ኣሪዞና፡ ኒው-ሜክሲኮ ድማ የጠቓልል። 40 ሚእታዊት ኣብዚ ከባብታት ዝነብሩ፡ ማይ ቦምባ የብሎምን። ጽሩይ ዝስተ ማይ ክረኽቡ ድማ መብዛሕቲኡ ግዜ ክሳብ 100 ኪ.ሜ ይጉዓዙ።

ነቲ ጸገም ንምፍታሕ 'ሶርስ ግሎባል' ዝተባህለ ካምፓኒ፡ ካብ ኣየር ቨይፐር ዝተባህለ መዝሓሊ መሳርሒ ተጠቒሙ ን500 ኣባይቲ ዝሰተ ማይ ንምፍጣር ሃይድሮ ፓነላት ዘርጊሑ`ሎ። ኮዲ ፍረይሰን- መስራቲ ሶርስ ግሎባል'ዩ። ንሱ ብዛዕባ'ቲ ትካልትን ስራሑን ከምዚ ይብል።

“ናይ ካምፓኒና ሃይድሮ ፓነል ክትርእዮ ከለኻ ዳርጋ ምስ ናይ ሶላር ፓነል ዝመሳሰል`ዩ። ግን እዚ ናትና ቅሩብ ርጉድ ዝበለ ፓነላት`ዩ” ይብል ።

እቲ ናይ ቨይፐር ፓነል ንብርሃን ጸሓይን ኣየርን ተጠቒሙ ጽሩይ ዝስተ ማይ ከምዘፍሪ ድማ ይገልጽ።

ነብስወከፍ ሃይድሮ ፓነል ርእሱ ዝኸኣለ ምንጪ ማይ`ዩ። እዚ መስርሕ`ዚ ድማ ንናቫሆ ኔሽን ብፍላይ ነቶም ዕድመ ዝደፍኡ ኣባላት ማሕበረሰብ ህይወቶም ዝቐየረ ምዕባለ ኮይኑ`ሎ። ካብ ኣባላት ናቫሆ ኔሽን ሓደ ዝኾነ ጀሪ ዊልያምስ፡ ንድምጺ ኣመሪካ ክገልጽ ከሎ፡ ገዛይ ማይ ቦምባ ክኣትዎ`ዩ ኢለ ሓሲበ ኣይፈልጥን ይብል።

“ገለ ሰባት ክዛረቡ ከለዉ፡ ኣብ ዕድመና ምሉእ ዝስተ ማይ ብሻምብቆ ማይ ናብ ገዛና ክኣቱ እዩ ኢልና ሓሲብና ኣይንፈልጥን ይብሉ። ነዚ ምርኣይና ድማ ዓቢይ ጸጋ'ዩ" ይብል።

ጁሊ ወክተር ካብ ትካል ዲፕዲግ ለውጢ ክሊማን ዝኣረገ ትሕተ ቕርጽን ኣብ ቀረባት ማይ ጸቕጢ ኣብ ዘሕድረሉ ዘሎ እዋን፡ ዝስተ ማይ ንዘይብሎም ማሕበረሰባት ሓደ ኣጠቓላሊ ዝኾነ ተበጻሕነት ምፍታሕ ኣገዳሲ`ዩ ትብል።

XS
SM
MD
LG