ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ሕማም ሾሮኽ ካብ ከተማ ኣዲስ ኣበባ ናብ ካልኦት ክልላት ኢትዮጵያ ይላባዕ


ኣብ ከተማ ኣዲስ ኣበባ ዝርከብ ጎሓፍ ዝመልአ ቦታ
ኣብ ከተማ ኣዲስ ኣበባ ዝርከብ ጎሓፍ ዝመልአ ቦታ

ኣብ ኣዲስ ኣበባ ዝተልዓለ ሕማም ተቕማጥን ተምላስን ሕማም ሾሮኽ ምዃኑዩ ናብ ክልላት ይጋፋሕ ከምዘሎ መንግስቲ ኣፍሊጡ።ናይቲ ፀገም ስፍሓትን በዝሒ ዝተመዝገቡ ሕሙማትን ግን ኣይተገለፀን።

እቲ ሓማም ኣብ ዝተፈላለዩ ከባቢታት ኣዲስ ኣበባ ምኽሳቱ ካብ ዝግለፅ ኣዋርሕ ሓሊፉዎ’ሎ።ሎማዕንቲ ብወግዒ ዝተገልፀ ሓበሬታ ግን እቲ ሕማም ኣብ ክልላት እውን ምግፋሕ ጀሚሩ’ሎ።

ምኽትል ዳይረክተር ኢንስቲቲዩት ጥዕና ኢትዮጵያ ዶ/ር ዳቢ ጂማ ንብሮድካስቲንግ ኮርፐረሽን ኢትዮጵያ ኣብዝሃብዎ መግለፂ እቲ ሕማም ኣብ ካልኦት ክልላት እውን ተጋፊሑ’ሎ።

"ኣብ ክልላት ኦሮሚያ፡ሱማሊያ፣ዓፋር፣ኣብ ክልል ኣምሓራ እውን ዝተወሰኑ ሑምማት ተረኺቦም ኣለው።ስለዚ ዝያዳ ናይ ምስፍሕፋሕ ዝንባለ እዩ ዝርአ ዘሎ።ኩላትና ብዝተወደበ ኣገባብ ንከባቢና ብምፅራይ፣ናይ ውልቂ ፅርየትና ብምሕላው፣ፅርየት ምግብናን ንሰትዮ ማይን ሕሉው ምዃኑ ክነረጋግግፅ ይግባእ።ናይ ሕብረሰተሰብ ምንቅስቓስ ክንፈጥር ኣለና " ይብል​ ዶ/ር ዳቢ ጂማ።

ኣብ ክልላት ይኹን ኣብ ኣዲስ ኣበባ በዝሒ ዝተመዝገቡ ሕሙማት ግን ኣብቲ መግለፂ ኣይተጠቐሰን።

ቪኦኤ ካብ ዝምልከቶም ኣካላት መንግስቲ ሓበሬታ ንምርካብ ዝገበሮ ፈተነ ኣይሰለጠን ይብል ፀብፃብ እስክንድር ፍሬው።

ሕማም ሾሮኽ ካብ ከተማ ኣዲስ ኣበባ ናብ ካልኦት ክልላት ኢትዮጵያ ይላባዕ ኣሎ ተባሂሉ
please wait

No media source currently available

0:00 0:01:13 0:00

XS
SM
MD
LG