ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

'ኣብ ቅድሜና ከበድቲ ሰሙናት ይፅበዩና ኣለው'ፕረ. ትራምፕ


ናይ ዩናይትድ ስቴትስ ፕሪዝዳንት ዶናልድ ትራምፕ ኣብ ቅድሜና ከበድቲ ሰሙናት ይፅበዩና ኣለው ክብሉ ኣጠንቂቖም፤ሰራዊት እታ ሃገር ንሆስፒታላት ንምሕጋዝ ተዋፊሮም ኣለው።ኣብ ጣሊያንን ስፔይንን ምልክታት ኣወንታዊ ምዕባለታት ይርኣዩ ከምዘለው ተሓቢሩ።

ናይ ዩናይትድ ስቴትስ ፕሬዝዳንት ኣብ ዝቕፅሉ ሰሙናት ህይወቶም ዝስእኑ ሰባት ክውስኽ ትፅቢት ብምግባር ከቢድ ክኸውን እዩ ኢሎም።ብኻሊእ ወገን ድማ ሰበስልጣ ዋይት ሃውስ እቲ ለበዳ ብስፍሓት ኣብዝተርኣየለን ዓበይቲ ከተማታት ምጉዳል በዝሒ ናይቲ ሕማም ምርኣይ ክጅምር እዩ ክብሉ ተስፋ ይገብሩ ኣለው።

ፕሬዝዳንት ትራምፕ ኣብ ዝሃቡዎ መብርሂ ‘’በዝሒ ናይ ዝሞቱ ናብ ዝለዓለ ጠርዙ ናብ ዝድይበሉ እዋን ኢና ንኣቲ ዘለና።ቅድሚ ሎሚ ሪኢናዮ ናብ ዘይንፈልጥ ቁፅሪ ወይ ኩነታት ንኣቲ ከምዘለና እኣምን’’ ክብሉ ደረጃ ናይቲ ሓደጋ ኣሚቶም።

ሰራዊት ዩናይትድ ስቴትስ ልዕሊ ሓደ ሽሕ ሰብ ሕክምና ብምልኣኽ ይሕግዝ ኣሎ።ምንስቴር ምክልኻል US ማርክ ኤስፐር ድሮ ኣማእቲ ወታደራት ኣብ ከተማ ኒው ዮርክ ምእታዎም ገልፆም።

ናይ ኒው ዮርክ ማእኸል ጃኮብ ጃቪስ 2,500 ዓራት ዝሕዝ ሆስፒታል ክኸውን እዩ።

ማርክ ኤስፐር ‘’እቲ ሆስፒታል ኣብ ዩናይትድ ስቴትስ ዝዓበየ ሆስፒታል ክኸውን እዩ፤ ብሰራዊት ዩናይትድ ስቴትስ እዩ ዝሳለጥ’’ ኢሎም።

ናይ ሓይሊ ባሕሪ መርከብ ሆስፒታል ኣብ ኒው ዮርክ ትርከብ።ካልእቲ ድማ ኣብ ሎሳንጀለስ ኣትያ ኣላ።እዘን ናይ ሓይሊ ባሕሪ ናይ መርከብ ሆስፒታላት ካብ ሆስፒታል ዝውሰዱ ኮሮናቫይረስ ዘይብሎም ሕሙማት ዝሕከሙለን እየን ክኾና።

ኣብ ምዕራባዊ ክፍለ ግዝኣታት ዩናይትድ ስቴትስ ኦሪገንን ዋሽንግተንን ኣዚዮም ተደለይቲ ዝኾኑ ኦክስጂን መወሃቢ ማሽናት /ቬንትሌተራት/ በቲ ለበዳ ኣዚየን ናብ ዝተጠቕዓ ክፍለ ግዝኣታት ብፍላይ ናብ ኒው ዮርክ ከምዝልእኻ ገሊፀን ኣለዋ።

ኣብ ዩናይትድ ስቴትስ ህይወቶም ካብ ዝስኣኑ ልዕሊ 9,700 ሰባት እቶም ሲሶ ኣብ ኒው ዮርክ ዝሞቱ እዮም።

ኣብ ፐንስለቨኒያ፣ኮሎራዶን ኣስታት 1,000 ሰባት ብኮሮና ቫይረስ ምትሓዞም ዝመዝገበት ዋና ከተማ ዩናይትድ ስቴትስ ዝኾነት ዋሽንግተን ዲሲን እናወሰኸ ምኻዱ ስግኣት ፈጢሩ ኣሎ ።

ሰበስልጣን ዋይት ሃውስ ኣንፃር ኮሮናቫይረስ ይካየድ ኣብዘሎ ግጥም ኣፋፍኖት ተስፋ ይርእዩ ከምዘለው ይዛረቡ ኣለው።

ፕሬዝዳንት ትራምፕ ዝቕፅል ሰሙን ዝካየድ ብዓል ፋሲካ ምኽንያት ብምግባር ኣብ ዘሕለፉዎ መልእኽቲ ህዝቢ ንሰራሕተኛታት ጥዕና ክፅልዩ ሓቲቶም።

እዚ ከምዚ ኢሉ እናሃለወ ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ብኮሮናቫይረስ ምልካፎም ዝተፈለጠን ሆስፒታል ዝኣተውን ቀዳማይ ምንስቴር ብሪታኒያ ቦሪስ ጆንሰን ሎሚ ሶኑይ እውን ኣብ ሆስፒታል ይርከቡ።

ብሰንኪ ዝለዓለ ረስኒ ንጥንቃቐ ሆስፒታል ዝኣተው ንሶም ሕዚ እውን ስልጣን መንግስቶም ኣብ ትሕቲ ቁፅፅሮም ከምዝርከብ ቤት ፅሕፈቶም ሓቢሩ።

ብሪታኒያ እቲ ለበዳ ብስፍሓት ይርኣያ ዘሎ ሃገር ኮይና ኣላ። ትማሊ ሰንበት ልዕሊ 600 ዜጋታታ ሞማቶም መዝጊባ ኣላ።

ካሎኦት ሃገራት ኣውሮፓ ከበድቲ ሰሙናት ሓሊፈን ገለ ምምሕያሽ የርእያ ኣለዋ።

ዝዓበየ ብዝሒ ዝሞቱ ዝመዝገበት ጣሊያን ኣብ ውሽጢ ክልተ ሰሙናት ዝወሓደ ወሰኽ መዝጊባ።ስፔይን እውን በዝሒ ዝተትሓዙን ዝሞቱን ይጎድል ምህላው ዝሕብር ቁፅሪ መዝጊባ ኣላ።

ኣብ ፈለማ ኣዚያ ተወቒዓ ዝንበረት ደቡብ ኮሪያ ሎማዕንቲ ሶኑይ 47 ሓደሽቲ መዝጊባ ኣላ።ካብቲ ከባቢ ብዙሕ ኣብ ዘይርሓቐት ጃፓን ዛጊድ 3,600 ሰባት መዝጊባ ትርከብ።ኣብ ቶኪዮ ሓዊሱ በዝሒ ይልከፉ ዘለው ይውስኽ ምህላው ሻቐሎት ኣሎ።

ቀዳማይ ምንስቴር ጃፓን ሺንዞ ኣቤ መንግስቶም ኣብ ቶክዮን ካልኦት ሽዱሽተ ከባቢታትን ንሓደ ወርሒ ዝዘልቕን ሰባት ካብ ገዛውቶም ከይወፁን ዝኽልክል ሓዊሱ ህፁፅ ግዜ ከምዝእውጅ ገሊፆም።መንግስቲ ናይ 1 ትርሊዮን ዶላር ቁጠባዊ ናይ ሓገዝ ፓኬጅ ንምሃብ ትልሚ ከምዘለዎ ኣፍሊጡ።

ሰበስልጣን ኣውስትራሊያ ኣብ ልዕሊ ኣናእሽቱ ሹቓት ዝተነብረ ናይ ምዕፃው ትእዛዝ ዝቕፅል ሰሙን ዝተረፉ ትካላት ንግዲ ድማ ሓደ ግንቦት ንምልዓል ይሓስቡ ኣለው።ኣውስትራሊያ በቲ ቫይረስ ዝተለኸፉ 12,000 መዝጊባ ኣላ።

እዚ ከምዚ ኢሉ እናሃለወ ናይ ሕቡራት መንግስታት ዋና ፅሓፊ ኣንቶኒዮ ጉተርዝ ኣብዚ እዋን ለበዳ ኣብ ልዕሊ ደቂ ኣንስትዮ ዝፍፀም ዓመፅ በደል ብዘሰንብድ ኣገባብ ድሕሪ ምውሳኹ መንግስታት ንደቂ ኣንስትዮ ክከለኻሉ ፀዊዖም።

XS
SM
MD
LG