ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ርእይቶ ጠቕላሊ ስታፍ ትራምፕ ነበር ሓድሽ መዘራረቢ ዛዕባ ይፍጥር


ርእይቶ ጠቕላሊ ስታፍ ትራምፕ ነበር ሓድሽ መዘራረቢ ዛዕባ ይፍጥር
please wait

No media source currently available

0:00 0:03:01 0:00

ርእይቶ ጠቕላሊ ስታፍ ትራምፕ ነበር ሓድሽ መዘራረቢ ዛዕባ ይፍጥር

ሕጹይ ርፓብሊካዊ ተወዳዳሪ ዶናልድ ትራምፕ፡ ንገለ ካብቶም ኣብ ዝቐደመ ምምሕዳሩ ምስኡ ዝሰርሑ ዜጋታት “ፋሽሽታውያን” ኢሉ ብምጽዋዕ፡ ኣብ መንግስታዊ ቦታ ንኽሰርሑ ብቕዓት የብሎምን ኢሉ። ምኽትሉ ኰይኑ ዝወዳደር ዘሎ ጀይዲ ቫንስ ግን ነቲ መግለጺ ነጺጉዎ ኣሎ።

ካብ 2017 ክሳብ 2019 ሓላፊ ጠቕላሊ ስታፍ ቤት መንግስቲ ዋይት-ሃውስ ዝነበረ ጀነራል ጆን ኬልይ፡ ኣብ ቀረባ ግዜ ምስ ጋዜጣ ዘ ኒው-ዮርክ ታይምስ ኣብ ዘካየዶ ቃለ-መሕትት፡ዶናልድ ትራምፕ “ፋሽሽታዊ መራሒ ኢልካ’ዶ ትሓስብ?” ክብል ተሓቲቱ ነይሩ። እቲ ናይ ቅድም ጀነራል፡ “ብዘይ ጥርጥር ምልካዊ መራሒ’ዩ። ንውልቀ-መለኽቲ መራሕቲ’ውን የድንቕ። ስለዚ ድማ ኣብቲ ፋሽሽታዊ መራሒ ዝብል መግለጺ ዝኣቱ’ዩ፡” ኢሉ።

ዶናልድ ትራምፕ ንመግለጺ ጆን ኬልይ ኣብ ማሕበራዊ ገጻት ቅልጡፍ ምላሽ’ዩ ሂቡሉ። ትራምፕ ኣብቲ ሶሻል ትሩዝ ዝብሃል ንሱ ዝመርሖ ማሕበራዊ ገጽ፡ “ጆን ኬልይ ክብሪ ዘይብሉ፡ ሕማቕ ኣዛዚ’ዩ። ኣብ ቤት መንግስቲ ዋይት-ሃውስ እንከሎ’ውን ምኽርታቱ ወሲደ ኣይፈልጥን’የ፡” ክብል መሊሱ።

ትማሊ ሰንበት ድማ ምኽትል ፕረዚደንት ንምዃን ዝወዳደር ዘሎ ጀይዲ ቫንስ ንርእይቶ ጆን ኬልይን ኣብ እዋን ዝቐደመ ምምሕዳር ትራምፕ ጠቕላሊ ሓለቓ ስታፍ ዝነበረ ማርክ ሚለይን ግብረ-መልሲ ሂቡ ኣሎ።

ቅጥዒ

Recommended

XS
SM
MD
LG