ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ዓመተ 2016: ኣብ ታሪኽ እታ ዝለዓለ ዋዒ ክሊማ ዝተመዝገበላ ዓመት


ዓመተ 2016 ኣብ ታሪኽ እታ ዝለዓለ ዋዒ ዝተመዝገበላ ኮይና ተመዝጊባ።

ብመሰረት መጽናዕቲ ናይ ኣመሪካ ሃገራዊ ምምሕዳር ባሕርን ከባብያዊ ኣየርን ማለት (National Oceanic and Atmospheric Administration – NOAA) ንሰለስተ ተኸታታሊ ዓመታት ዝለዓለ ሙቐት ኣብ ዓለምና ዝተመዝገበ ክኸውን እንከሎ: ዝሓለፈ ዓመት ድማ ነቲ ተመዝጊቡ ዝጸንሐ መጠን ዝለዓለ ሙቐት ሕልፊ ከምዝነበሮ ኣረዲኡ።

NOAA climat report
NOAA climat report

ካብ ነዊሕ ዝጸንሐ መጠን ሙቐት ምስ ዘይንቡር ክሊማዊ ለውጢ ማለት ኤል ኒኖ ተሓዊሱ ዓመተ 2016 ዝለዓለ ሙቐት ዝተመዝገበላ ክትኸውን ከምዝብቅዓ: እቲ መጽናዕታዊ ሓበሬታ ብተወሳኺ የረድእ።

ኣብ ዓመተ 2016 ኣብ ታሪኽ እታ ዝለዓለ ዋዒ ተመዝጊቡ
please wait

No media source currently available

0:00 0:02:18 0:00

ኤል ኒኖ ንውቅያኖሳት ዘምውቕ ኩነታት ክሊማ ክኸውን እንከሎ ፡ እዚ ብግደኡ ንከባብያዊ ኣየር ኩነታት ሙቐት ክውስኽ ዝድርኽ ኩነተ ምንቅስቓስ ኣየር እዩ።

ናይ ኣመሪካ ሃገራዊ ምምሕዳር ባሕርን ከባብያዊ ኣየርን ዓመተ 2016 እታ ዝበርትዐ ሙቐት ኣብ ታሪኽ ዝተመዝገበላ ኢሉ ክገልጻ ዝኸኣለ ንዝሓለፉ 136 ዓመታት ንዝነበረ ኩነታት ሙቐት ዓለም ተኸታቲሉ ንዝመዝገቦ መጽናዕታዊ ምርምር ምርኩስ ብምግባር ምዃኑ ይገልጽ።

XS
SM
MD
LG