ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኣብ ዝሓፈለ ዓመት 55 ጋዜጠኛታት ብህድማ ተሰዲዶም ይብል CPJ


ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ኣብ 21 ሃገራት ብምኽንያት ዝበፅሖም ህውከት፣ምፍርራሕን ማእሰርትን 55 ጋዜጠኛታት ሃገሮም ገዲፎም ተሰዲዶም ይብል Committee to Protect Journalism /CPJ/ ዝተብሃለ ንጋዜጠኛታት ዝሕለቕ ትካል።40 ምኢታዊ ዝግመቱ ካብ ኣህገሮም ዝሃደሙ ካብ ትሕቲ ሰሃራ ኣፍሪካ እዮም ይብሉ ሰበስልጣን እቲ ትካል።ምስ ማዕልቲ ስደተኛታት ዓለም ብምትእስሳር CPJ ኣብ ስደት ናይ ዝርከቡ ጋዜጠኛታት መነባብሮ ዝምልከት ሪፖርት ኣውፂኡ’ሎ።

ብመሰረት CPJ ዘውፅኦ ሓድሽ ሪፖርት ኣብ ሃገሮም ካብ ዝፍፀሞም ህውከት ወይ ዓፈና ዝሃድሙ መብዛሕቲኦም ጋዜጠኛታት ካብ ኢራንን ሱማሊያን ቀፂሉ ድማ ካብ ኢትዮጵያ፣ሶሪያን ኤርትራን እዮም።

ኣብ CPJ ናይ ምብራቕ ኣፍሪካ ኣማኻሪ ቶም ሮድስ ካብተን ቅድሚት ዝምደባ ሓንቲ ናይ ዝኾነት መንግስቲ ሱማሊያ ኣንፃር ጋዜጠኛታት ንዝበፅሕ ምፍርራሕ ክምርምር እየ ክብል ቃል ኣትዩ’ሎ ኢሎም።

ገለ መንግስታት ብፍላይ ድማ ኣብ ኵናት ዝርከቡ ጋዜጠኛታት ንፀጥታን ምርግጋእን ስግኣት እዮም ይብሉዎም።ገሊኦም መንግስታት እቲ ጉዳይ ኢኮኖሚያዊ መልክዕ ብምትሓዝ ኣብ ልዕሊ ጋዜጠኛታት ስጉምቱ ይወስዱ ይብሉ ሮድስ።’’ብፍላይ ኣብ ኢትዮጵያን ኡጋንዳን ፕሬስ ፀረ ልምዓት እዩ ናይ ምባል ኣንፈት ኣሎ።’’ ቁፅፅርን ኽትትልን ኣብዘይብሉ ክትምዕብል ኣይትኽእልን ዝብል ሮድስ ነዚ ዝሰርሕ ድማ ፕረስ እዩ ኢሎም።

ኣብ ምብራቕ ኣፍሪካ ብዙሓት ጋዜጠኛታት ከም ዋና ከተማታት ኬንያን ኡጋንዳን ናብ ዝኣመሰላ ከተማ ይሃድሙ።ናይ ስደተኛታት መዕረፎ ዝኾና ካልኦት ሃገራት ካብ ደቡባዊ ኣፍሪካ ሃገረ ደቡብ ኣፍሪካ ካብ ምዕራብ ኣፍሪካ ድማ ሰኔጋል እየን።

ስሙ ክግለፀሉ ዘይደለየ ኣብ ናይሮቢ ዝርከብ ኢትዮጵያዊያ ጋዜጠኛ ንኸይትሓዝ እናሰግአ ሪኢትኡ ይህብ።ኣብ ኣዲስ ኣበባ እናሃለወ ንናይ መንግስቲ ፈነወ ይሰርሕ ነይሩ።ንሱ ሓይልታት ፀጥታ ኢትዮጵያ ንኽልተ ኣባላት ግንባር ሓርነት ኦሮሞ ካብ ናይሮቢ ናብ ኢትዮጵያ ወሲዶም ናብ ፍርዲ ከምዘቕረብዎምን እዚ ዘርእዮ ሓቂ ድማ ንዝደለዩዎ ክወስዱ ከምዝኽእሉን እዩ ኢሉ።ኣስዒቡ ‘’ከይሕዙና ንፈርሕ ኢና።እንተሒዞምና እንታይ ከምዝገብሩና እውን ኣይንፈልጥን።በዚ ምኽንያት ኣብ ብዙሓት ቦታታት ኣይንዘዋወርን።ናይ ሚዲያን ሰብኣዊ መሰላትን ስራሕትና እውን ክንቕፅል ኣይክኣልናን።’’

ኣብ ሕዚ እዋን ኣብዚ ኣብ ዩናይትድ ስቴትስ ከተማ ሚንሶታ ዝነብር ሱማሊያዊ ጋዜጠኛ ኣሕመድ ኑር እቲ ምፍርራሕ ካብ ደገፍቲ ኣል-ሸባብ እውን ከምዝመፅእ ይገልፅ።

ኣብ ዋና ከተማ ኬንያ ንኣርባዕተ ዓመታት ዝተቐመጠ ኑር ምስ ናይ መንግስቲ ሕግታት ተኣሳሲሩ ጉዳያት ደሕንነት ሰሪሕኻ ንምንባር ኸቢድ ይገብሮ ይብል።
XS
SM
MD
LG