ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ኣብ ዓለም በዝሒ ብሓይሊ ዝተመዛበሉ ሰባት ክብረወሰን ከምዝተሰበረ ሓደ ሓድሽ ፀብፃብ ኣፍሊጡ።
ምስ ዓለምለኸ ማዕልቲ ስደተኛታት ተገጣጢሙ ዝወፀ ፀብፃብ ዓለምለኸ ኣንፈት UNHCR ኣብ 2015 ኣ/ፈ በዝሒ ስድተኛታት ክውስኽ ዝገበረ ግጭትን ማእሰርትን እዩ ይብል።
ኣብ ዝሓለፈ ዓመት 65.3 ሚሊዮን ሰባት ብሓይሊ ካብ መንበሪኦም ተመዛቢሎም ኣለው።ምስቲ ቅድሚኡ ዝነበረ ዓመት እንትነፃፀር ብኣስታት ሓሙሽተ ሚሊዮን ወሲኹ’ሎ።
ኮሚሽነር ላዕለዋይ ኮሚሽን ስድተኛታት ሕቡራት መንግስታት ፊሊፖ ግራንዲ ሰባት ብዂናትን ማእሰርትን እዮም ዝስደዱ ዘለው ኢሎም።
ብኻልእወገን፤ ዓለምለኸ ማሕበረሰብ ኣብ ሶርያ ትኹረት ብምግባሩ ኣብ ከም ኢትዮጵያ ዝኣመሰላን ሃገራት ዝርከቡ ስደተኛታት ጎረባብቲ ሃገራት ቆላሕታ ብምንካዩ ጉዳይ ስደተኛታት ጸቕጢ ፈጢሩ ምህላው ኣብ ኢትዮጵያ ወሃቢ ቃል ኮሚሽን ስደተኛታት ኣቶ እሱት ገብረእግዚኣብሄር ገሊጾም።