ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኣብ 2015 ግጭትን ማእሰርትን ብዝሒ ስድተኛታት ክውስኽ ከምዝገበረ ተሓቢሩ


ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ኣብ ዓለም በዝሒ ብሓይሊ ዝተመዛበሉ ሰባት ክብረወሰን ከምዝተሰበረ ሓደ ሓድሽ ፀብፃብ ኣፍሊጡ።

ምስ ዓለምለኸ ማዕልቲ ስደተኛታት ተገጣጢሙ ዝወፀ ፀብፃብ ዓለምለኸ ኣንፈት UNHCR ኣብ 2015 ኣ/ፈ በዝሒ ስድተኛታት ክውስኽ ዝገበረ ግጭትን ማእሰርትን እዩ ይብል።

ኣብ ዝሓለፈ ዓመት 65.3 ሚሊዮን ሰባት ብሓይሊ ካብ መንበሪኦም ተመዛቢሎም ኣለው።ምስቲ ቅድሚኡ ዝነበረ ዓመት እንትነፃፀር ብኣስታት ሓሙሽተ ሚሊዮን ወሲኹ’ሎ።

ኮሚሽነር ላዕለዋይ ኮሚሽን ስድተኛታት ሕቡራት መንግስታት ፊሊፖ ግራንዲ ሰባት ብዂናትን ማእሰርትን እዮም ዝስደዱ ዘለው ኢሎም።

Jewi Refugee Camp
Jewi Refugee Camp

ብኻልእወገን፤ ዓለምለኸ ማሕበረሰብ ኣብ ሶርያ ትኹረት ብምግባሩ ኣብ ከም ኢትዮጵያ ዝኣመሰላን ሃገራት ዝርከቡ ስደተኛታት ጎረባብቲ ሃገራት ቆላሕታ ብምንካዩ ጉዳይ ስደተኛታት ጸቕጢ ፈጢሩ ምህላው ኣብ ኢትዮጵያ ወሃቢ ቃል ኮሚሽን ስደተኛታት ኣቶ እሱት ገብረእግዚኣብሄር ገሊጾም።

ኣብ 2015 ግጭትን ማእሰርትን ብዝሒ ስድተኛታት ክውስኽ ከምዝገበረ ተሓቢሩ
please wait

No media source currently available

0:00 0:03:23 0:00

Recommended

XS
SM
MD
LG