ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኣብ ኒዮርክ ዝካየድ ዘሎን ሰልፈኛታት "ኣንፃር ኢኮኖምያዊ ዘይማዕርነት" ዝበልዎ ተቃውሞ ይዓብን ይጋፋሕን'ሎ


ኣብዚ ኣብ ዩናይትድ ስተይትስ ከተማ ኒዮርክ ብ'ፋይናንሳዊ ዞባ ኣብ ዝፍለጥ ከባቢ፡ ኣንፃር ዓበይቲ ኩባንያታትን ትካላት ገንዘብን ዎል ስትሪት ይካየድ ኣብ ዘሎ ተቃውሞ ሰልፍታት ማሕበራት ሰራሕተኛን ማሕበራት ማሕበረሰባትን ተፀንቢሮም'ለው።

እቶም ተቃውሞ ሰልፈኛታት ዘወርቲ ዓበይቲ ናይ ፅዕነት መኻይን፣ መማህራን ነርስታት፡ ሰራሕተኛታት መጋዓዝያን ይርከብዎም።

ንሕና 99% ኢና ዝብሉ'ቶም ሰልፈኛታት፡ አሜሪካ ብውሑዳት ሃፍታማት ትግዛእ ቦታ ትኸውን'ላ ክብሉ ይገልፁ'ለው። 99% አሜሪካውያን ስራሕ ምርካብ ኾነ ክራይ ገዛ ምኽፋል ይፅገሙ'ለው ንሕክምና ዘድልዮም ወፃኢ ምኽፋል'ውን አይኽእሉን ዘለው ክብሉ'ውን ይዛረቡ።

ሙሉእ ፀብፃብ ንምስምዕ ናብ ምልክት ድምፂ ከድኩም ጠውቁ

XS
SM
MD
LG