ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ገዳም ዋልድባን ፕሮጀክት ሹኮር ወልቃይትን


መራሕቲ ቤተ-ጣማን ቤተ-ሚናስን፣መጀመርያ ተሻቂልና ነይርና ይብሉ

ኣብ ጉዳይ ገዳም ዋልድባ ኣማእኪሉ ዝላዓሉ ምስሕሓባትን ስክፍታታትን ብዝምልከት፣ንሓለፍቲ ማሕበራት ቤተ ጣማን ቤተ ሚናስን ከምኡውን ኣማሓዳሪ ወረዳ ማይፀምሪ ኣዘራሪብና‘ለና።

መንግስቲ ኢትዮዽያ ኣብ ሰሜናዊ ምዕራብ ኢትዮዽያ ዝትግብሮ ፕሮጀክት ሽኮር፣ንገዳም ዋልድባ ዝትንክፍ ድዩ ዝብል ኣሰሓሓብን ኣካታዕን ሕቶ ኣበጊሱ ኣብ‘ዚ ቅነ’ኳ ኣብ ማይ ፀምሪን ሽረን ኣኼባታት ተሳሊጡ‘ሎ።

መንግስታዊ ፕሮጀክት ሹኮር ወልቃይት፣ንገዳም ዋልድባ ዝትንክፍ ድዩ? ኣብ ዝብል ሕቶ ሪኢቶኦም ዝሃቡ ባህታውያንን ፈለስትን እቲ ገዳም ”ስክፍታና ናብ መንግስቲ ኣቅሪብና ኣለና።መጀመርያ ፕሮጀክት ሹኮር ክጅምር‘ዩ፣ነቲ ገዳም‘ውን ከራኽስ‘ዩ ዝብል ሓበሬታ ምስ ሰማዕና ሰንቢድና ነይርና።ዳሓር ምስ ዝምልከቶም ኣካላት ምስተራኸብና ግና ስክፍታና ተመሊሱ፣ዕጉባት ኢና” ይብሉ።

ኣማሓዳሪ ወረዳ ማይ ፀምሪ ኣቶ ሹሻይ መረሳ ብወገኖም”ፕሮጀክት ሽኮር ወልቃይት፣ንገዳም ዋልድባ ፈፂሙ ኣይትንክፍን” ኢሎም።ብድሕሪ‘ቲ ምስሕሓብ፣ልምዓት‘ቲ ከባቢ ዘይደልዩ ሓይልታት ከምዘለው‘ውን ወሲኾም ገሊፆም።

XS
SM
MD
LG