ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ዕጡቕ ጉጅለ ኣገው ምስ መንግስቲ ክልል ኣምሓራ ስምምዕ ፈሪሙ


ኣብ ኢትዮጵያ ክልል ኣምሓራ ዞባ ዋግህምራ ኣብ ዝርከቡ ክልተ ወረዳታት ዝንቀሳቀስ ዝነበረ "ዲሞክራስያዊ ምንቅስቃስ ኣገው" ዝፍለጥ ዕጡቕ ጉጅለ መንግስቲ ንዘቅረቦ መጸዋዕታ ሰላም ተቀቢሉ ምስ መንግስቲ'ቲ ክልል ስምምዕ ከም ዝተፈራረመ ተገሊጹ ።

ኣመሓዳሪ ዞባ ዋግህምራ ኣቶ ሃይሉ ግርማይ ትማሊ ሰሉስ 2 ታሕሳስ 2023 ንድምጺ ኣመሪካ ኣብ ዝሃብዎ ቃል ኣብ ዝሓለፋ 3-ዓመታት ኣብ ውሽጢ'ቲ ዞባ ኣብ ዝርከባ ክልተ ወረዳታት ኣብ ዝርከባ 16- ቀበሌታት ብረታዊ ቃልሲ ክካይድ ምስ ዝጸንሐ ዲሞክራስያዊ ምንቅስቃስ ኣገው ዝተበጽሐ ስምምዕ ሰላም ኣብቲ ከባቢ ዝነብር ብሰንኪ ጸገም ጸጥታ ማሕበራውን ሰብኣውን ኣገልግሎት ምርካብ ስኢኑ ዝጸንሐ ህዝቢ ዘሕግዝ’ዩ ክብሉ ክልቲኦም ወገናት ገሊጾም።

እቲ ስምምዕ ሰላም ኣብ ኣዲስ ኣበባ 13 ታሕሳስ 2016 ዓ.ም ከምዝተፈረመን ሰንበት 21 ታሕሳስ 2016 ኸአ ንህዝቢ ወግዓዊ ከምዝኾነን ኣመሓዳሪ እቲ ዞባ ሃይሉ ግርማይ ሓቢሮም ኣለው።

ናይቲ ምንቅስቃስ ኣቦ መንበር ምዃኖም ዝገለጹ ኣቶ ኪሮስ ሮምሃ ቀንዲ ምክንያትን ዕላማን እቲ ናይ ሰላም ስምምዕ ዕጥቂ ሒዞም ኣብ ዝንቀሳቀስሉ ከባቢ ዝርከብ ህዝቢ ንዝኸፍኣ ጥምየት ብምቅልዑን ከም ትምህርቲን ኣገግሎት ጥዕናን ዝኣመሰሉ መሰረታዊ ኣገግሎት ብዘይምርካቡ ንዝሰዓቡ ስቃይ ንምጉዳል ምኳኑ ይሕብሩ።

ብመሰረት’ቲ ዝተበጽሐ ስምምዕ ዕጡቃት'ቲ ምንቅስቃስ ናብ መዓስከር ብምእታው ሕቶኦም ብሰላማዊ መገዲ ናብ መንግስቲ ከምዘቕርቡ ሓቢሮም ኣለው።

ቅጥዒ

XS
SM
MD
LG