ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኣብ ምምሕዳር ዋግህምራ 5 ሰባት ብሕማም ተምላስን ውጽኣትን ምሟቶም ቤት ጽሕፈት ጥዕና'ቲ ዞባ ገሊጹ


ኣብ ክልል ኣምሓራ ዞባ ምምሕዳር ዋግ ህምራ፣ ኣብ ሰለስተ ወረዳታት ብሰንኪ ዝተራእየ ሕማም ውጽኣትን ተምላስን፣ ኣብ ውሽጢ ሓደ ሰሙን ሓሙሽተ ሰባት ከምዝሞቱን 262 ሰባት ከምዝሓመሙን፣ ሓላፊ ቤት ጽሕፈት ጥዕና’ቲ ዞባ ገሊጾም።

ንድምጺ ኣመሪካ ርእይቶ ዝሃቡ ኣቶ ኣሰፋ ነጋሽ ተወሳኺ መርመራ ንምክያድ መርኣዪ ናብ ናይ’ቲ ክልል ትካል ጥዕና ማሕበረሰብ ከምዝተላኣኸ ሓቢሮም።

ኣመሓዳሪ ቀበሌ ቢላዛ ኣቶ ማለደ ብሬ ብወገኖም፣ ኣብ’ቲ ቀበሌ ኣርባዕተ ሰባት ምሟቶምን ብርክት ዝበሉ ካልኦት ድማ ከምዝሓመሙን ጠቂሶም ።

ቅጥዒ

XS
SM
MD
LG