ዋሽንግተን —
ቅድሚ’ዚ ሎሚ ዝተኸፍተን ዝዕጾን ወግዓዊ መዓልቲ ምርጫ፡ ክፍለ-ሃገራት ኣቐዲመንን ብመንገዲ ጶስጣን ንምርጫ ስለ ዘፍቅዳ ድሮ 81 ሚልዮን ኣመሪካውያን ድምጾም ሂቦም ኣለዉ።
ኣብ ዝሓለፈ ናይ 2020 ምርጫ ኣስታት 158 ሚልዮን ህዝቢ’ዮም ኣድሚጾም። ኣብ እዋኑ ጆ ባይደን ክዕወት እንከሎ፡ ዶናልድ ትራምፕ ግን ምድንጋር ተራእዩ ብምባል ንውጽኢት እቲ ምርጫ ኣይተቐበሎን።
ሕጂ’ውን ኣብ ናይ ሎሚ ሰሉስ ምርጫ፡ “ርትዓዊን ናጻን” እንተ ዘይኰይኑ ንውጽኢት ከም ዘይቅበል ዶናልድ ትራምፕ ኣጠንቂቑ ኣሎ። ገለ ወገናት ንመጠንቀቕታ ትራምፕ፡ እንተተሳዒሩ ንውጽኢት ኣይክቕበልን’ዩ ዝብል ትርጓመ ይህቡዎ።
እንተዀነ ተወዳደርቲ ወገናት ንውጽኢት ምርጫ ከይጕዕጸጽ ዝጣበቑ ደያኑ ድሮ ኣዳልዮም ኣለዉ።
ክሳብ መወዳእታ ዝተኻየደ ህዝባዊ ዳህሳስ ትራምፕን ካማላ ሃሪስን ኣዝዩ ተቐራረቢ ነጥብታት ከምዘለዎም’ዮም የመልክቱ።
ቅጥዒ