ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኣስታት 11-ሽሕ ሰራሕተኛታት ቮዳፎን ካብ ቦታ ስራሖም ክለቁ’ዩም

FILE PHOTO: A man casts silhouette onto an electronic screen displaying logo of Vodafone India after a news conference in Mumbai, India, Nov. 10, 2015.
FILE PHOTO: A man casts silhouette onto an electronic screen displaying logo of Vodafone India after a news conference in Mumbai, India, Nov. 10, 2015.

ናይ ሎሚ ዓመት ኣታዊታቱ ብኣስታት 1.5 ቢልዮን ዩሮ ክጎድል ምዃኑ ዝኣመተ ትካል ቴሌኮሚኒኬሽን ቮዳፎን ኣብዚ ዓመት ኣስታት 11-ሽሕ ሰራሕተኛታት እቲ ትካል ከፋኑ ምዃኑ ሎሚ ሰሉስ 16 ግንቦት 2023 ወግዓዊ ገይሩ።

እቲ ትካል ቀዳምነታቱ ኣብ ዕግበት ዓማዊል ክሰርሕ ምዃኑ ብምምልካት፡ ምስ ካልኦት ኩባንያታት ብምንጽጻር ተወዳደሪ ብቕዓት የመዝግብ ከም ዘየሎ ኣመልኪቱ ኣሎ።

ዝዓበየ ኣታዊ ቮዳፎን ካብ ጀርመን ደኣ ይጽናሕ እምበር፡ ኣብዚ ዓመት’ዚ ግን ምስ ኲናት ዩክሬን ተኣሳሲሩ ብዝሰዓበ ካልእ ወጻኢታት እቲ ዕብየት ኣታዊ ከም ዘንቆልቆለ እቲ ትካል ሓቢሩ። ኣብ ኣፍሪቃ ግን ኣታዊታት እቲ ትካል ትስፉው ምዃኑ ሮይተርስ ጠቒሱ።

ቮዳፎን ኣስታት 100-ሽሕ ሰራሕተኛታት ዘለዎ ትካል ቴሌኮሚኒኬሽን ኰይኑ፡ እዚ ሕጂ ዝገብሮ ዘሎ ናይ ስራሕ ምፍናው ኣብ ታሪኹ እቲ ዝዓበየ’ዩ።

XS
SM
MD
LG