ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ዓለም-ለኸ ትካላት ሚዲያ፡ ንኢትዮጵያ ብምዕፋን ፈነወ ሳታላይት ኾኒነናኣ


BBG

እዚ ውግዘት ዝስማዕ ዘሎ፡ ዓራብሳት እቲ ምህዋኽ ካብ ኢትዮጵያ`ዩ ዝመጽእ ዘሎ ድሕሪ ምባሉ`ዩ

ንሬድዮ ድምጺ ኣመሪካ ብላዕላዋይነት ዝከታተል ቦርድ ቢቢጂ፡ ናይ ሬድዮ ድምጺ ዶቸ ቨለ፡ ናይ ብሪጣንያ ቢቢሲ፡ ናይ ፈረንሳ 24 ፍራንስ ቫንካድ ብሓባር ኣብ ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ፡ መንግስቲ ኢትዮጵያ፡ ብዓረብሳት ንዝመሓላለፍ ፈነወ ንምህዋኽ ተጻባኢ ሞገድ ይሰድድ ከምዘሎ ብምግላጽ፡ እቲ ተግባር ንዓለም-ለኸ ሕግታት ዝጥሕስ ምዃኑ ኣዘኻኺሮም።

ዋና ኣሰናዳኢ ድምጺ ኣመሪካ ስቲቭ ረዲሽ፡ እቲ ተግባር ምዕፋን ካብ ኢትዮጵያ ይመጽእ ከምዘሎ ተሓቢርና ኣለና ኢሎም።

ተተካኢት ዲረክተር ቢቢሲ ሊሊያን ላንዩር ብወገነን፡ “እዚ ደመደይ ኢልካ ዝግበር ጸይቂ ተግባር፡ ንሽሞም`ውን ዘኽፍእ`ዩ” ኢለን።
XS
SM
MD
LG