ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

`ቀዳማይ ምንስተር መለስ ንሬድዮ ድምጺ ኣመሪካ ምስ ራዲዮ ሚሊኮልንስ ምንጽጻሮም ዘሕፍር ጸርፊ`ዩ` ኢለን ሓላፊት ርክብ ህዝቢ ድምጺ ኣመሪካ


ጋዜጠኛ ዊሊያም ሃርለን ሄይል ‘’እቲ ዜና ይሕመቕ ይፀብቕ ነቲ ሓቂ ክንነግረኩም ኢና’’ክብል ብሬድዮ ድምፂ ኣሜሪካ ኣቢሉ ብዛዕባ ፀብፃብ ኩናት ብተደጋጋሚ ይዛረብ ነይሩ

ለቲሻ ኪንግ ሓላፊት ክፍሊ ርክብ ህዝቢ ሬድዮ ድምፂ ኣሜሪካ እየን።ሬድዮ ድምፂ ኣሜሪካ ዝተጣየሸ ‘’ብዘይ ዝኾነ ሳንሱር ንዝተፈላለየ ክፋል ዓለም ነፃ ሓበሬታ ንምብፃሕ`ዩ ይብላ።

ነገር ግን መንግስቲ ኣሜሪካ ንዜጋታቱ ሓበሬታ ከምዝደለዮ እናዘርግሐ ነፃ ናይ መራኸቢ ሓፋሽ ንኸይብሕቶ ተሓሲቡ ብሕጊ፡ ቪኦኤ ኣብ ዩናይትድ ስቴትስ ንኸይስምዑ ተኣጊዶም።

ሬድዮ ድምፂ ኣሜሪካ ኣብ ዩናይትድ ስቴትስ እንድሕር ድኣ ተሰሚዑ ኣብ ስልጣን ዘሎ ምምሕዳር ኣብ እዋን መረፃን ኣብ ካልኦት እዋናትን ናይ ህዝቢ ደገፍ ንምርካብ ከምዝደለዮ ንኸይእዝዞን ንኸይጥቀመሉን ትካላዊ ነፃነት ዘፍርሱ ተግባራት ንኸይህልዉ ንምክልኻል እዩ እቲ እገዳ ዘድለየ ይብላ ናይ ቪኦኤ ለቲሻ ኪንግ።

ሬድዮ ድምፂ ኣሜሪካ ኣብዚ ሕዚ እዋን ብ42 ቓንቓታት ኣብ ዙሪያ ዓለም ሓበሬታ ይህብ።ብርግፅ ብሬድዮን ቴለቪዥንን ጣብያታት ኣብ ውሽጢ ሃገር ኣይፈነው እምበር እቲ ሕጊ ክወፅእ እንተሎ ኢንቴርነት ስለዘይነበረ ኣሜሪካዊያን ሕዚ ኣብ መርበብ ሓብሬታ እቲ ሓበሬታ ይረኽቡዎ።

ቀዳማይ ሚንስቴር መለስ ዜናዊ ኣብ ቀረባ ቪኦኤ ኣብ ውሽጢ ኢትዮጵያ ንኸይስማዕ ከምዘዝገብሩ ተዛሪቦም እዮም።

ናይ ቪኦኤ ለቲሻ ኪንግ ናይ ኣቶ መለስ ሪኢቶ ተቐባልነት የብሉን ይብላ።

ንምሉእ ትሕዝትኡ ንናይ ሰሉስ ኣመሪካና ፕሮግራም ተኸታተሉ

XS
SM
MD
LG