ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ሬድዮ ድምፂ ኣሜሪካ ብትግርኛ ፈነወ ካብ ዝጅምር 15-ዓመታት ጌሩ


ሬድዮ ድምፂ ኣሜሪካ ብትግርኛ ፈነወ ዝጀመረ 15-ሓምለ 1996 ዓ.ም። ትግርኛ ፈነወ ኣብ ዝጀመረሉ ኣፋን ኦሮሞ'ውን አብታ ዕለት ፈነወ ጀሚሩ።

ኣብቲ እዋን ኣካያዲ ስራሕ ሬድዮ ድምፂ ኣሜሪካ ዝነበሩ ጀፍ ኸዋን ዕላማ ምኽፋት'ቶም ቃንቃታት ኣብ ኤርትራን ኢትዮጵያን ንዝያዳ ሰማዕቲ ንምብፃሕ ምኻኑ ተዛሪቦም ኔሮም።

ሬድዮ ድምፂ ኣሜሪካ ፈነወ ትግርኛ ኣብዚ እዋን ኣብ ዋሽንግተን 4 ኣባላት ከምኡ'ውን ኣብ ኤርትራን ኢትዮጵያ ክሊ ትግራይን ሓሓደ ሪፖርተራት አለውዎ።

ሬድዮ ድምፂ ኣሜሪካ ኣብዚ እዋን ብ'44-ቃንቃታት ን'123-ሚልዮን ሰባት ዜናዊ ሓበሬታ ይዝርግሕ።

ብምኽንያት መባል 15-ዓመት ፈነወ ሬድዪ ድምፂ ኣሜሪካ ዝተዳለወ ሓፂር ምድላው ንምስማዕ ጠውቁ

XS
SM
MD
LG