ሬድዮ ድምጺ ኣሜሪካ ኣብ ኣገልግሎት ቋንቋ ሃውሳ ይሰርሑ ንዝነበሩ 15 ኣባላቱ ካብ ስራሕ ኣጊዱ ወይካኣ ንክእግዶም ወጢኑ ኣሎ። ምኽንያት፣ ዘይግቡእ ባህሪ ኣርእዮም ከምኡውን ዘይግበኦም ክፍሊት ተቐቢሎም ዝብል ክሲ ድሕሪ ምቕራቡ።
ዳይረክተር ቪኦኤ ኣማንዳ ቤነት ናብ ሰራሕተኛታት ኣብ ዝሰደደቶ መልእኽቲ ኢሜይል 'መሪሕነት'ቲ ትካል ነቲ ክሲ ቅድሚ ቀረባ ኣዋርሕ ከምዝሰምዐን፣ ምርመራ ከምዘሳለጠን' ጠቒሳ።
'ሕጊ ሚስጢራዊነት ንመንነትን ትሕዝቶን'ቲ ክሲ ንከይንዝርዝሮ ይኽልክለና'ዩ፣ እንተኾነ ድሕሪ መርመራን ምጽራይን'ዩ ናብ'ዚ ስጉምቲ እገዳን ውጡን እገዳን ኣብጺሑና'ውን' በለት ኣማንዳ ቤነት።
ቪኦኤ ኣገልግሎት ሃውሳ ናብ ናይጀርያን ኒጀርን ዝፍኖ ኣገልግሎት'ዩ። እቲ ዘይግቡእ ክፍሊት ካብ'ቲ 'ፈነወ ዝቃላሓሉ ዞባ' ከምዝመጸ'ውን ወ/ሮ ኣማንዳ ገሊጻ።
ቤነት ኣብ ጽሑፋ 'መሪሕነት ክፍሊ ኣፍሪቃ ነቲ ምርመራን ምጽራይን ሙሉእ ድጋፍ ገይሩን ናብ ውሳነ እገዳን ውጡን እገዳ ንምብጻሕ'ውን ተሓባቢሩን'ዩ' ኢላ።
ንሳ ወሲኻ 'ሰማዕትና ኣባና ካብ ዘሕደርዎ እምነት ዝበለጸና ነገር ክህሉ ኣይኽእልን። እዚ እምነት ሰማዕቲ ንምዕቃብ ድማ እቲ ዝላዓለ ብቕዓት ጋዜጠኝነት ካብ ምርግጋጽ ዝበለጸ ጉዳይ ኣይክህልወናን'ዩ' በለት።