ቪኦኤ ክፍሊ ኣምሓርኛ ’ዝተዛብዑ ፀብፃባት ብምፍናው’ ኢሎም ዝተቃወሙ ኣብ ኣፍ-ደገ ሬድዮ ድምፂ ኣሜሪካ ሎሚ ሶኒ ተሰሊፎም ኔሮም።
እቶም ተቃወምቲ ’ቪኦኤ ክፍሊ ኣምሓርኛ ናይ ባዕሉ መምርሒ የኽብር፣ ዝተዛብዐ ኣፀባፅባ ጠጠው የብል’ ዝብል ጭርሖታት የስምዑ ኔሮም።
ቅድሚ ሰሙናት፣ዩኒቨርቲ ኣዙሳ ካሊፎርንያ ንቀ/ሚ ኢትዮዽያ ኣቶ ሃይለማርያም ደሳለኝ ክህቦ ኢሉ ዝነበረ ናይ ክብሪ ዶክትሬት መዓርግ ምዝራዙ ብዝምልከት ሬድዮ ድምፂ ኣሜሪካ ቋንቋ ኣምሓርኛ ዘቅረቦ ፀብፃብ ክሲ ከምዝቀረቦ ዝዝከር‘ዩ።
ቅድሚ ክልተ ሰሙን‘ውን ኣብ ቅድሚ ቤት ዕዮ ምንስቴር ወፃኢ ተመሳሳሊ ሰልፊ ተቃወምቲ ተካይዱ‘ዩ።እዚ ከም‘ዚ‘ሉ ከሎ፣ነዚ ናይ ተቃውሞ ሰልፊ ዝምልከት ቪኦኤ መልሲ ሂቡ‘ሎ።
እቲ መግለፂ”ሎሚ ኣብ ኣፍደገ ቪኦኤ ሰልፈኛታት ኣብ ዘቅረብዎ ተቃውሞ፣ድምፂ ኣሜሪካ ቋንቋ ኣምሓርኛ፣ንመንግስቲ ኢትዮዽያ ብዝጥዕም ንዜናታቱ የዛብዕ ኣሎ ዝብል ተቃውሞ ኣስሚዖም ነይሮም።ብዛዕባ ዝተመደበ ምብፃሕ ቀ/ሚ ኢትዮዽያ ናብ ዩኒቨርስቲ ካሊፎርንያ ብዝምልከት ዝቀረበ ፀብፃብ ቪኦኤ ኣምሓርኛ፣ኣራሚ ስጉምቲ ንክውሰድ‘ውን ሓቲቶም። ሰልፈኛታት፣እቲ ፀብፃብ ጌጋ ዝመልኦን ወገናዊን‘ዩ ኢሎም።ኣብ ኣፍ-ደገ ምንስቴር ወፃኢ እውን ኣንፃር ቪኦኤ ክፍሊ ኣምሓርኛ ሰልፊ ኣካይዶም። ምምሕዳር ቪኦኤ ነቲ ክሲ ዘፃሪ ብቦርድ ምምሕዳር ፈነወ ዩ-ስ BBGን ሓደ ናፃ ቤት ፅሕፈት ከምዘቆመን፣እቲ ኮሚቴ ኣብ ሰለስተ መደምደምታት በፂሑን‘ሎ ዝበለ መግለፂ ቪኦኤ፣
1ይ-ፀብፃብ ቪኦኤ ኣምሓርኛ፣ዝተፈላለየ ኣረኣእያታት ምርኣይ ጎዲልዎ‘ዩ። ምኽንያቱ፣ብቀንዱ ኣረኣእያ ናይ‘ቶም ንመንግስቲ ኢትዮዽያ ዝነቅፉ ስለዘቅረበ፣
2ይ-ክፍሊ ኣምሓርኛ ንቀ/ሚ ኢትዮዽያ ዝምልከት ፀብፃቡ ትኽክል ኔሩ ግን ነቲ ዜና ዝያዳ ዝገልፅን ሙሉእ ዝገብርን ተወሳኺ ሓበሬታ ከእቱ ኔሩዎ፣
3ይ-VOA ኣምሓርኛ ናብ መንግስቲ ኢትዮዽያ ፀግዒ ዝወሰደ ኣይኮነን።
ይብል ምምሕዳር ቪኦኤ ዝዘርገሖ መግለፂ።