ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ጋዜጠኛ ቪኦኤ ሄዘር ሙርዶክ ኣብ ከተማታት ሓውዜን፣ዕዳጋ ሓሙስን ዓዲግራትን


ዓዲግራት
ዓዲግራት

ኣብ ትግራይ እትርከብ ናይ ቪኦኤ ጋዜጠኛ ሄዘር ሙርዶክ ኣብ ቀዳመ ሰንበት ናብ ከተማታት ዕዳጋ ሓሙስ፣ ዓዲግራትን ሓውዘንን ተጓዒዛ ዝርኣየቶም ዝተዓዘቦትን።

ፖርት ቪኦኤ ሄዘር መጀርሚያ ዝርኣየታ ኣብ መንጎ ክልተ ዓብየቲ ከተማታት መቐለን ዓዲግራትን እትርከብ ንእሽተይ ከተማ ዕዳጋ ሓሙስ በቲ ኵናት ዝወረዳ ዕንወት ከቢድ ምዃኑ ትዛረብ።

ኣብ ወሰን መንገዲ እታ ከተማ ዝተቓፀለት ታንኪ ኣብ ፊት ንፊት ድማ ናይ መስቲያት ማዕፅኡ ዝተሰባበረን ምልክቱ ድማ ብጠያይቲ ዝተወቕዐን ክልኒክ ከምዝርኣየት ትገልፅ።ሓላፊት ናይቲ ክልኒክ ዝኾነት ነርስ ኩሉ መድሓኒ ተዘሪፉን ተሰሪቑን ኢላትኒ ትብል።ሄዘር ኣብ ከተማ ዓዲግራት ዝወረደ ዕንወት ዝነኣሰ እንተኾነ እውን ኩነታት እቲ ከተማ ግን ኣዚዩ ውጥረት ዝተመልኦ እዩ ትብል።ኣብቲ ንሳ ኣብ ከተማ ዓዲግራት ዝኣተወትሉ ዕለት ብዛዕባ ዘጋጠመ ከምዚ ትብል።

ናብታ ከተማ ኣብ ዝኣተወትሉ ዕለት ሓደ ናይ ኤርትራ ወታደር ብናይቲ ከባቢ ስቪላት መጥቓዕቲ ተፈፂሙዎ ምስ ሞተ ካልኦት ወታደራት ሬሳ ንምውሳድ ካብቲ ካብ ከተማ ወፃኢ ኖቂጦምሉ ዝርከቡ ካምፕ ናብታ ከተማ ምስኣተው ኣብ መንጎ እቶም ወታደራትን ቀቲሎም ዝተብሃሉ ስቪላትን ግጭት ነይሩ’’ ትብል።

እቲ ወታደር ብእምኒ ተወቒዑ ከምዝሞተ እውን ካብ ሰባት ከምዝሰምዕት ትገልፅ።ኣብዚ ግጭት ዘጋጠመ ካሊእ ሞት እንተሃሊዩ ተሓቲታ ኣብዚ ዕለት እዚ ምፍርራሕን ውጥጥን ከምዝነበረ ብምግላፅ ከምዚ ትብል።

‘’ሰባት ኣብ ዓዲግራት ወታደራት ኤርትራ ኣብታ ከተማ ምህላዎም ኣዚዮም እዮም ዝጉህዩ ዘለው’’ ዝበለት ንሳ ‘’ከምቲ ዝፍለጥ ብዙሕ ግፍዒታት ምፍፃሞም ፀብፃባት ቀሪቦም እዮም።ኣብ ዓዲ ግራት ኣብ ዝርከብ ተመዛበልቲ ኣብ ዘዕቖብሉ ካምፕ ንዝርከቡ ሰባት ከዘራርቦም ከለኹ፣ኣብ ውሽጢ እቲ ካምፕ ናይ ዝርከብ ሆስፒታል ሓላፊ ብዛዕባ እቲ ኩነታት ክዛረብ ከሎ ኣዚዩ ዝጎሃየ ምዃኑ ይርኣይ።ኣብታ ከተማ ከምዚ ምርኣይ ልሙድ እዩ’’ ክትብል ተግልፆ።

ሰባት ብፍርሒ ካብ ገዛውቶም ስለዘይወፁ ከተማ ዓዲ ግራት ኣዚያ ፀጥ ዝበለት ምዃና ዝገለፀት ሄዘር ኣብቲ ንሳ ዝኣተወተትሉ ዕለት ብዘጋጠመ ዕግርግር መደብራት ዕዳጋን ናይ ንግዲ ትካላትን ተዓፂዮም ከምዝነበሩን ስዓት እቶ እቶ ብምህላው ዋላ ሓደ ዝንቀሳቐስ ከምዘየለን ኣብ ለይቲ እንታይ ከምዝፍጠር ስለዘይፍለጥ ስግኣት ከምዘሎ ግን ትዛረብ።

ሄዘር ወታደራት ኤርትራ ኣብ ከተማ ዓዲግራት ብናይ ፅዕነት መካይን ከምዝዘሩ፣ወታደራት ኣብ ውሽጢ ከተማ ብእግሮም ከምዝንቀሳቐሱን ኣብ ጥቓ ዓዲግራት ወታደራዊ መደብር ከምዘለዎምን ገሊፃ ኣላ።ነበርቲ ዓዲግራት ብሃለዋት ወታደራት ኤርትራን ንሃለዋቶም ኣብ ልዕሊ ዝፈቐደ ፌደራል መንግስትን ዘለዎም ጓሂ ዝለዓለ ምዃኑ ካብቶም ነበርቲ ከምዝተረድአት ትዛረብ።

‘’ኣብ ዓዲ ግራት ኩሎም ዘዘራርብኩዎም ሰባት ብሃለዋት ወታደራት ኤርትራ ኣዚዮም ዝተቖጥዑ እዮም።ፌደራል መንግስቲ ወታደራት ኤርትራ ኣብኡ ክህልው ስለ ዝፈቐዱሎም ውእን ኣዚዮም ጉህዮም እዮም። መንግስቲ ክወፁ እዮም ምባሉ ብዓይኒ ነበርቲ ዓዲ ግራት ዓወት እዩ ዝብል እምነት ኣለኒ።...ካብ ዘዘራርበኩዎም ድሕነት ዝስምዖ ዋላ ሓደ ሰብ ኣይረኽብኩን። ብወታደራት ኤርትራ ሓደጋ እዩ ዝስምዖም’’ ኢላ።

ኣብ መላእት ትግራይ ዘሎ ሰብኣዊ ኩነታት ኣዚዩ ዝኸፍአ ምዃኑ ዝገለፀት ሄዘር መርዶክ ሕቡራት መንግስታትን ካልኦት ዓለምለኸ ትካላትን ዝገለፁዎ ኩነታት ከምዘሎ ኮይኑ ንሳ ብዓይና ዝርኣየቶም ከባቢታት ፀገም ውሕስነት ምግቢ ሰፊሕ እዩ ትብል።ለበዳ ኮሮናቫይረስ ቀፂሉ ድማ ኵናት ንብዙሓት ንክግድታት ከምዘዕነዎን ሰባት ሰሪሖም ክነብሩ ከምዘይክኣሉ ረድኤት ምግቢ እውን እኹል ከምዘይኮነን ትዛረብ።

ካብ ከተማታት ወፃኢ ኣብ ብዙሓት ቦታታት ክልኒካት ስለዝዓነውን ስለዝተሰርቁን መድሓኒን ፈፂሙ ከምዘይርከብን ከተማ መቐለ ሓዊሱ ኣብ ከተማታት እውን እኹል ቀረብ መድሓኒትን ናይ ሕክምና ናውትን ሕፅረት ስለዘሎን ኩነታት ስርዓት ጥዕና ናይቲ ክልል ሓደገኛ እዩ ኢላቶ ኣላ።

በዙሕ ከባቢ ናይቲ ክልል ካብ ኩሉ ኮሚኒኬሽን ስለዘተቖራረፀ ካብ ጋዜጠኛታትን ሰብኣዊ ትካላትን ስለዝተበተኸ መትሕዝን መጨበጥን ዘይብሉ ወይ ካዮቲክ እዩ ኢላቶ ኣላ።ኢንተርኔትን እውን ኣብ ከተማ መቐለ ኣብ ዝተወሰነ ቦታ ከምዝርከብ ትገ ልፅ።

ሄዘር ቀፂላ ዝርኣየታ ከተማ ሓውዘን ኣብዚ ሕዚ ስዓት ኣብ ትሕቲ ቁፅፅር ሓይልታት ፌደራል ኢትዮጵያ ከምዝኾነትን ቅድሚ ሒደት ሰሙናት ኣብ ትሕቲ ቁፅፅር ህዝባዊ ወያነ ሓርነት ትግራይ ከምዝነበረትን ሕዚ ንፁር ናይ ኵናት ከባቢ ከምዝኾነን ት ዛረብ።

‘’ዛጊድ ብንፁር ናይ ውግእ ቀጠና ወይ ዞባ እዩ’’ ዝበለት ንሳ ኣብ ሓውዜን ዝወረደ መጠን ዕንወት ኣብ ዒራቕ ወይ ሶሪያ ዝተርኣየ እዩ ዝመስል።ሰባት ኣብ ስግኣት እዮም ዝርከቡ።ኣብዛ ከተማ እቲ ኵናት ካብ ዝጅመር ሕዳር ኣርባዕተ ሓሙሽተ ግዜ ዘሳህክሕ ኵናት ተኻይዱዋ እዩ’’ በለት።

ኣብ ወሰንከተማ ሓውዜን ናይ ጅምላ መቓበር ከምዝርኣየት እውን ትገልፅ ሄዘር።

‘'ልዕሊ 20 ሰባት ዝተቐበርሉ ገለ ክልተ ሰለስተ ናይ ጅምላ መቓበር እውን ኣሎ።ኣብታ ከተማ ዝነበሩ ሰባት መብዛሕቲኦም ዝተቐትሉ ብደብዳብ ከቢድ ብረት ምዃኑ እዮም ዝኣምኑ።ግዳያት ብቕልጡፍ ካብቲ ጃምላዊ መቓበር ወፂኦም ብመሰረት እምነቶም ኣውፂኦም ክቐብሩዎ እዮም ዝደልዩ እቶም ዘዘራርብኩም’’ ትብል።

ካብ ከተማ ሓውዜን ዝተምዛበሉ ብዙሓት ሰባት ኣብ ከተማ መቐለ ኣብ ዝርከብ ማእኸል መዕቖቢ ተመዛበልቲ ምርካባ ትገልፅ ሄዘር።ሕዚ እውን ኣብ ከተማ ሓውዜን ብዙሓት ሰባት ከምዘለውን ናብ ዝኸዱዎ ከምዘይብሎም ወይ መሳፈሪ ስኢኖም ኣብኡ ዝተረፉ ምዃኖምን ከምዝተዛረቡዋ ወሲኻ ትገልፅ።

ብብርክት ዝበሉ ትካላት ረድኤት ሓገዝ ናይ ምቕራብ ፃዕርታት እንተተገብሩ ብሰንኪ እቲ ኵናት ይሳቐዩ ንዘለው ሰባት እኹል ሓገዝ ይቐርብ ከምዘየለ ትገልፅ ኣብቲ ከባቢ ትርከብ ሪፖርተር ቪኦኤ ሄዘር ሙርዶክ።

ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል::



XS
SM
MD
LG