ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ሬድዮ ድምፂ ኣሜሪካ ካብ መንግስቲ ኢትዮጵያ ኾነ ኻልእ ዝበፅሖ ተጽዕኖ ከምዘየለ አፍሊጡ


ሬድዮ ድምፂ ኣሜሪካ ምድላዋቱ ንኽቅይር ካብ መንግስቲ ኢትዮጵያ ዝበፅሖ ዝኾነ ይኹን ዓይነት ፅዕንቶ ከምዘየለ አፍሊጡ።

ሬድዮ ድምፂ ኣሜሪካ ነፃ ኾይኑ ንኸገልግል ብአዋጅ ብዝተመስረተሉ ሕግን ቻርተርን ዝምራሕ ምኻኑ ገሊፁ'ሎ።

ብሰኑይ ኣብ ዋሽንግተን ዲሲ ኣብ ዝርከብ ቀንዲ ቤት-ዕዮ ሬድዮ ድምፂ ኣሜሪካ ኢትዮጵያውያን ኣብ ውሽጣዊ አሰራርሓ ሬድዮ ድምፂ ኣሜሪካ ክዝርጋሕ ዝፀንሐ ፀብፃባት ብዝምልከት ሰላማዊ ሰልፊ አካይዶም'ዮም።

እቶም ሰልፈኛታት ሬድዮ ድምፂ ኣሜሪካ ካብ መንግስቲ ኢትዮጵያ ፅዕንቶ ይወርድ'ሎ ኢሎም ከምዝአምኑ ገሊፆም። ሬድዮ ድምፂ ኣሜሪካ ነዚ ፅዕንቶ ከይንብርከኽ ሓቲቶም።

ጊዝያዊ ኣካያዲ ስራሕ ሬድዮ ድምፂ ኣሜሪካ ስቲቭ ሬዲሽ ሬድዮ ድምፂ አሜሪካ ምድላዋቱ ንኽቅይር ካብ መንግስቲ ኢትዮጵያ ዝኾነ ይኹን ዓይነት ፅዕንቶ ከምዘይወረዶ'ዮም ገሊፆም።

ሚስተር ስቲቭ ሬዲሽ ሬድዮ ድምፂ ኣሜሪካ ንሰማዕቱ ዝተማለአ ሚዛናዊን ተአማንን ሓበሬታ ዝህብ ዜና ናይ ምዝርጋሕ ሓላፍነት አለዎ ኢሎም።

አብ ሬድዮ ድምፂ ኣሜሪካ ሓላፊት ክፍሊ ኣፍሪቃ ጉዌን ዲላርድ ብወገነን ስራሕ መሓውራት ዜና ምቹእ ኣብ ዘይኾነለን ከም ኢትዮጵያ ኣብ ዝበላ ከባቢታት ስራሕ ሬድዮ ድምፂ ኣሜሪካ ዘየወላውል'ዩ ሓላፍነትና አይቅየርን'ዩ ኢለን።

XS
SM
MD
LG