ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ዳይሬክተር ድምፂ ኣሜሪካ ኣማንዳ ቤነት መዝነተን ለቒቐን


ዳይሬክተር ድምፂ ኣሜሪካ/VOA/ ኣማንዳ ቤኔት ካብ ሓላፍነተን ለቒቐን።ትማሊ ሶኑይ ኣብ ዘቕረብኦ ናይ መልቀቒ ደብዳበ ተልእኾ ድምፂ ኣሜሪካ ዝኾነ ተኣማኒ: ነፃ ሞያ ጋዜጠኛነት ኣብ እዋን መሪሕነት ናይ ትራምፕ ሽሞኛ ማይክል ፓክ እውን ክቕፅል እዩ ኢለን።

ንድምፂ ኣሜሪካ ንኣርባዕተ ዓመታት ክመርሓን ንሞያ ነፃ ጋዜጠኝነት ብኣሜሪካዊያን ከፈልቲ ግብሪ ዝምወል ትካል ዜና ካብ ዋይት ሃውስ ዝፍነው መጥቓዕትታት ክከላኸላ ዝፀንሓን ኣማንዳ በኔት ትማሊ ሶኑይ ካብ ሓላፍነተን ወሪደን።ዋይት ሃውስ ድምፂ ኣሜሪካ መዘርግሒ ፕሮፖጋንዳ ቻይና ኮይኑ ክብል ይኸስስ።

በኔትን ምስአን ካብ ሓላፍነተን ዝለቐቓ ምኽትለን ሳንዲ ሱጉዋራን ንሰራሕተኛታት ድምፂ ኣሜሪካ ኣብ ዝልኣኽኦ ናይ ስንብት ኢሜይል ምስ ምምሕዳር ትራምፕ ናብ ወጥሪ ዘእተወን ጉዳያትን ኣይገለፃን።ኣብ ክንድኡ ንድምፂ ኣሜሪካ ዘጠቓልል ኤጀንሲ ግሎባል ሚዲያ ኣሜሪካ ክመርሑ ኣብ ቀረባ ስልጣኖም ዝፀደቐ ማይክል ፓክ ንዓና ክትክእ መሰሉ ስለዝኾነ ናትና ካብቲ ስራሕ ምውፃእ እዋኑ እዩ ኢለን።

ንሰን ‘’ነቲ ሞያ ዘለኩም ፍቕርን ተልእኾን ተኣማንነትኩም ኣይልወጥን’' ዝበላ ክኾና ከለዋ ‘’ማይክል ፓክ ኣብ ቅድሚ ኮንግረስ ቀሪቡ ናይ ድምፂ ኣሜሪካ ነፃነት ንዘረጋግፅ ኣሰራርሓ ከ ምዘኽብር ቃለ ምሓላ ፈፂሙ እዩ’’ ኢለን ።

ምምሕዳር ትራምፕ ንናይ መንግስቲ ኤጀንስታት ዜና መሳርሒ ርክብ ህዝቢ ገይሩ ዳግም ከይውድቦ ስኽፍታ ኣሎ።

ናይቲ ትካል ፀብፃብ ትኽክለኛ፣ጭቡጥ፣ዝተማልአ ከምኡ እውን ንዝኾነ ሓደ ክፋል ኣሜሪካዊያን ማሕበረሰብ ዘይኮነስ ንኣሜሪካ ዝውክል ክኸውን ናይ ድምጺ ኣሜሪካ ቻርተር ይእዝዝ።

ቤነት ንቻይና ዝብድሁ ድምጺ ኣሜሪካ ዝሰርሖም ዜናታትን መደባትን ብምዝርዛር ነቲ ክሲ ይነጽጋ። ፕረዚዳንት ትራምፕ ኣብ ዝሓለፈ ኣብ ዋይት ሃውስ ኣብ ዝሃብዎ ጋዜጣዊ መግለፂ ‘’ካብ ድምጺ ኣሜሪካ ዝፍኖ እንተሰሚዕኹምዎ ኣፅያፊ እዩ። ብዛዕባ ሃገርና ዝብሉዎ ነገራት ኣፀያፊ እዩ። ማይክል ፓክ ኣትዩ ዓብይ ስራሕ ክሰርሕ እዩ ‘’ ኢሎም።

ድምጺ ኣሜሪካ ብቅድሚ ትማሊ ሰንበት ከምዝፀብፀቦ ማእኸል ምቁፅፃርን ምክልኻን ሕማማት /CDC/ጋዜጠኛታት ድምጺ ኣሜሪካ ኣብ ዝርዝር ሓበሬታ ከይውሃቦም ዝተኸልከሉ ትካላት ኣእቲይዎም ኣሎ። ብመሰረት ናይ CDC ናይ ውሽጢ መልእኽቲ (Memorandum) ዘቕረቦ ምኽኒያት ድማ ዋይትሃውስ ኣብ መረበብ ሓበሬትኡ ብዛዕባ ቻይና ዘውፅኦ ክሲ እዩ።

ቤነት CDC ፖሊሲኡ ብቕልጡፍ ክስሕቦ ዝፅውዕ መግለፂ ኣውፂአን።ኣብ ናይ ዋይት ሃውስ ርእይቶ ተመስሪቱ ዝተወስደ ሽግር ዘለዎ ውሳነ እዩ ኢለንኦ ኣለዋ።

ቤነትን ሱግዋራን ትማሊ ሶኑይ ንሰራሕተኛታት ኣብ ዝለኣኽኦ መልእኽቲ ካብ ሓላፍነተን ክወርዳ ብትራምፕ ወይ ብፓክል ተሓቲተን እንተኾይነን ኣይጠቐሳን።

‘’ክእለትኩም፣ሙያኩም፣ነቲ ተልእኾ ዘለኩም ውፍይነት፣ናይ ጋዜጠኘት ተኣማንነትኩምንፃዕርኹምን ንፓክ ከም እትቕፅልሉ ንፈልጥ ኢና’’ እውን ኢለን ኣብ መልእኽተን።

ዓቃባዊ ሰራሒ ፊልምን ናይ ትራምፕ ኣማኻሪ ናይ ዝነበረ ስተፈን ባነን ተሓባባሪን ማይክል ፓክ ንሬድዮ ነፃ ኣውሮፓ ወይ ረድዮ ሓርነት፣ ናይ ማእኸላይ ምብራቕ ብሮድካስቲንግ ኔትወርክን፣ ሬድዮፍሪ ኤስያን ቤት ፅሕፈት ብሮድካስቲንግ ኩባን ንዝሓቖፈ ኤጀንሲ ግሎባል ሚዲያ ሜሪካ ክመርሑ እዮም።ቪምጺ ኣሜሪካ እቲ ዝዓበየ ኣካል ናይቲ ኤጀንሲ እዩ። ኣብ ሰሙን ብ47 ቋንቋታት ዝመሓላለፍ 280ሚሊዮን ሰማዕቲ ዘለውዎ መሓውር ዜና'ዩ።

ቤነት ኣብ 2016 ብፕረዚደንት ባራክ ኦባማ ነይረን ዝተሸማ ክኾና ከለዋ ሽልማት ፑሊትዘር ዝተዓወታ ደራሲት፣ኣብ ብሉምበርግ፣ኣብ ፊላደልፊያ ኢንኳየረር ኤዲተን ሪፖርተርን ኣብ ዎልስትሪት ጆርናል ድማ ኤዲተር ሓ መርማሪት ጋዜጠኛን ኤዲተርን ብምዃን ኣብ ፍሉጣት ትካላት ዜና ዝሰርሓ እየን።

ዝሓለፈ ዓመት ኣብ ናሽናል ፕረስ ክለብ ኣብዝተዳለወ ስነስርዓት ብኣገልግሎተን ተሞጊሰን እየን። ኣብቲ ኣጋጣሚ ኣብ ዘስምዕኦ መደረ ኣገዳስነት ነፃነት ፕረስን ብድሆ ሞያዊ ነፃነት ድምጺ ኣሜሪካን ተዛሪበን። ’’ፕሮፖጋንዳ ኣይንሰርሕን፤ፈፂምና ኣይንሰርሕን’’ ኢለን።

ምኽትለን ዝኾና ሱግዋራ እውን ኣብ UPIን ዋሽንግተን ፖስትን ሪፖርተር ብምዃን ኣብ ጋዜጠኝነት ንዓሰርተታት ዓመታት ዝሰርሓ እየን።

ፓክ ዝሓለፈ 4 ሰነ 2020 ዋላ'ዃ መብዛሕትኦም ዴሞክራት ኣባላት ሰኔት እንተተቓወሙ ስልጣኖም ምጽዳቑ ይዝከር። ቤት ፅሕፈቶም ንደብዳበ ክልቲአን ሓላፍቲ ምስተቐበለ ኣብዘውፅኦ መግለፂ ኣማንዳ በኔትን ምኽትል ዳይሬክተር ሳንዲ ሱጉዋራን ነቲ ኤጀንሲ ዘበርክትኦ ኣገልግሎት ብምምስጋን ሰናይ ትምኒት ገሊፆምለን ኣለው።

ኣብ እዋን ናይ ስልጣን ዘመነን በነትእቲ ትካል ክልተ ኣገደስቲ ቅሌታት ገጢምዎ ነይሩ።ኣብ 2018 ኣብ ኣገልግሎት ቋንቋ ሃውሳ ዝሰርሑ ጋዜጠኛታት ካብ ሓደ ናይጀሪያዊ ብዓል ስልጣን ጉቦ ተቐቢሎም ብዝብል ን15 ጋዜጠኛታት ምብራረን ይዝከር።

ኣብ ተመሳሳሊ ዓመት ንናይ ድምጺ ኣሜሪካ ሓላፊ ኣገልግሎት ቋንቋ ማንደሪን ኣባሪረን። ምኽኒያቱ ድማ ኣብስደት ዝርከብ ቻይናዊ ቢሊየነር ብቐጥታ ኣብዝተፈነወ ቃለ ምልልስ ኣብ ልዕሊ ሰበስልጣን ቤጂንግ ዘይተፃረየ ክስታት ከቕርብ ገይርኻ ብዝብል እዩ።

XS
SM
MD
LG