ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

መንግስቲ ኢትዮጵያ ሬድዮ ድምፂ ኣሜሪካ ፈነውኡ የተዓራሪ ዝብል ጥርዓን ኣቕሪቡ


መንግስቲ ሽም ዝርዝር ብምጥቓስ ዝተወሰኑ ፖለቲከኛታት ኣብ መደባት ድምፂ ሬድዮ ኣሜሪካ ንከይቐርቡ ሓቲቱ

ሬድዮ ድምፂ ኣሜሪካ ፈንውኡ ንኸመዓራርን ንመንግስቲ ኢትዮጵያ ዝቃወም ድምፂ ንኸመጣጥንን ካብ ምምሕዳር ኢህወደግ ጥርዓን ቐሪቡሉ።

ንሬድዮ ድምፂ ኣሜሪካ ዘመሓድር ቦርድ ማለት’ውን Broadcasting Board of Goerners ኣብ ኢትዮጵያ ኣብዘካየዶ ናይ ስራሕ ዑደት ምስ ምንስቴር ጉዳያት ኮምኒኬሽን ኢትዮጵያ ኣቶ በረኸት ስምዖንን ካልኦት ላዕለዎት ሰበስልጣንን ምይይጥ ኣካይዱ።

ብፕሬዝዳንት ባራክ ኦባማ ተወኪሉ ንሬድዮ ድምፂ ኣሜሪካ ዘመሓዳድር ዘሎ ቦርድ Broadcasting Board of Goerners ኣብ ኣፍሪካ እናካየዶ ካብዝርከብ ናይ ስራሕ ዑደት እቲ ናይ ኢትዮጵያ ሓደ ኣካል እዩ።

እቲ ቦርድ ሬድዮ ድምፂ ኣሜሪካ ምስ መንግስቲ ኢትዮጵያ ዘለዎ ርክብን ምትሕብባርን ንምጥንኻር፡ኣብ ህንፀት ዓቕሚ መራኸቢ ብዙሃን ንምስታፍን ተወሰኽቲ ዜናታት ንምትእኽኻብን ዘኽእል ዓቕሚ ንምህናፅን እዩ ናብ ኢትዮጵያ ዘምርሐ።

ኣብ ሬድዮ ድምፂ ኣሜርካ ክፍሊ ሓላፊ ቀርኒ ኣፍሪካ ዴቪድ ኣርኖል ምስቲ ልኡኽ ሓቢሮም ተጛዒዞም ኣለው።ንሶም’’ መንግስቲ ኢትዮጵያ ንናይ ሬድዮ ፈነወነና ንነዊሕ ዓመታት ክቃወም ፀኒሑ እዩ።’’በሉ’ሞ ኣብዝሓለፈ ዓመት ሰለስቲኦም ቛንቛታት ማለት’ውን ኣምሓርኛ፡ኦሮርምኛን ትግርኛን ኣብ ኢትዮጵያ ንኸይስማዕ ከምዝዓፈኖም ይገልፁ።ስለዚ ይብሉ ብምስዓብ ’’እዞም ኣባላት ቦርድ ኣብዚ ጉዳይ ንመንግስቲ ንምዝርራብ፡ሓሳቦም ንምርዳእ ከምኡ’ውን ሓድሽ ምይይጥን ኣንፈትን ንምኽፋት እዮም ዝተጉዓዙ።’’ይብሉ። ሬድዮ ድምፂ ኣሜሪካ ዘቕርቦም ኣጋይሽ ንመንግስቲ ኢትዮጵያ ፅቡቕ ኣመለኻኽታ የብሎምን ገሊኦም ድማ ፅንፊ ዝሓዙን ተቓወምቲ እዮም ክብል ሽም ዝርዝር ብምትቓስ እዞም ሰባት ኣብቶም መደባት እንተቐሪቦም ንምትሕብባብ ቕሩባት ከምዘይኾይኑ ገልፆም ኣለው።።

እቲ ናይ ቪኦኤ ቦርድ ምስ መንግስቲ ኢትዮጵያ ዝጀመሮ ምይይጥ ከምዝቕፅለሉን ተስፋ ዘለዎ ተበግሶ ከምዝኾነን ዴቪድ ኣርኖልድ ተዛሪቦም።ዝርዝሩ ኣድምፁ።

XS
SM
MD
LG