ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ሰብኣዊ ግልጋሎት African Services Committee ኣብ ኢትዮዽያ


African Services Committee (ኣፍሪካዊ ግላጋሎት) ዝተባሃለ ኣብ ዓዲ ኣሜሪካ ኒውዮርክ ቅድሚ 29 ዓማውቲ ዝተጣየሸ ትካል ኣብ ኢትዮዽያ ንግዳያት ኤች ኣይቪ ቫይረስ ይሕግዝ ኣሎ።

ነቲ ትካል ዘጣየሹን ዝመርሕዎን ኣይተ ኣስፍሃ ሃደራ እቲ ትካል ካብ ምክልኻል ኤች ኣይቪ ኤይድስ ብተወሳኺ ኣብ ጥዕና ኣዴታትን ህፃውንትን ጠመተ ሂቡ ከምዝሰርሕ ይገልፁ።

እቲ ትካል ኣብ ኢትዮዽያ ቅድሚ 9 ዓማውቲ ብዕሊ ግልጋሎት ምሃብ ከምዝጀመረን ሰለስተ ዋና ዋና ማእኸላት ነይሮምዎ። ኣብ ኣዲስ ኣባባ፣ ኣብ ኮምበልቻን መቐለን ጠመተ ሂቡ ይሰርሕ። ካብዞም ግላጋሎት መውሀቢ ማእኸላት ብተወሳኺ ናብ ዝተፈላለዩ ከባብታት ብምኻድ ድንኳን ብምትካል ናፃ ግልጋሎት ምኽርን ምርመራን ተዋሂቡ እዩ።

“ኣብ ውቕሮ ፣ሓውዜን፣ ዓዲ ግራትን ሑመራን ከምኡውን ካብ ደብረ ዘይቲ ኣትሕዚና ክሳብ ሻሸመኔ ድንኳን ሒዝና ኣብ ማእኸል ከተማን ዕዳጋን ግልጋሎት ሂብና ኢና” ኢሎም ኣይተ ኣስፍሃ።

እዚ ትካል እዚ ኣብዚ ሐዚ እዋን ግልጋሎቱ ብምስፋሕ ሎምዘበን ኣብ ዝዋይን ሃይቅን ተወሰኽቲ ማእኻላት ከፊቱ ኣሎ። ብፍላይ ኣብ ሃይቅ ነቲ ተግባራዊ ስራሕ ዝረኣዩ ኣማሓደርቲ እቲ ወረዳ 3,600 ካሬ ሜትሮ መሬት ብነፃ ነቲ ትካል ሂቦም ኣለዉ ይብሉ ኣይተ ኣስፍሃ።

ትካሎም ካብ ቶምስ ዝተባሃለ ኣሜሪካዊ ፋብሪካ ሳእኒ ብሓገዝ ዝረኸቦ 6000 ሳእኒ ኣብ ዝተፈላለያ ማእኸላት ንዝርከቡ ህፃውንትን መናእሰያትን ይዕድል ኣሎ።

ኣይተ ኣስፍሃ ሃደራ ኣብ ከይዲ ስረሖም ካብ ዶክትር ቴድሮስ ኣድሖኖም ምኒስትር ምኒስቴር ሓለዋ ጥዕና ከምኡ እውን ካብ ሓላፊ ቢሮ ሓለዋ ጥዕና ትግራይ ዝነበሩ ዶክተር ገብረኣብ ባርናባስ ፅብቕ መተባብዒ ከምዝረኸቡ ገሊፆም እዮም።

ይኹን እምበር ኣብ ትግራይ ማእኸል ክንክን ኣዴታትን ህፃውንትን ንኸስርሑ ካብ ገነርቲ ሰናይ ሓገዝ ረኺቦም ዝሕተትዎ መሬት ግና ዛጊድ ከምዘይተፈቐደሎም ይገልፁ። ናይ ቀበሌ እዩ ዝተባሃለ ጎልጎል መረባ ንመንግስቲ ክራይ እናኸፈሉ ይሰርሑ ምህላዎም ይዛረቡ።

“ዘቕረብኮዎ ሕቶ ልዕሊ ሰለስተ ዓማውቲ ኣሕሊፉ ኣሎ ንምንታይ ከምዘተፈቐደሎም ግና ኣይተረደአንን” ይብሉ።

XS
SM
MD
LG