ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ቪኦኤ - ሰብዓ ዓመት ዕድመ ኣገልግሎቱ የኽብር ኣሎ


ኣብ ምዝርጋሕ ሚዛናዊ ሓበሬታ ውዒሉ'ውን ኢሎም ፕረዚደንት በራክ ኦባማ

ፕረዚደንት በራክ ኦባማን ካልኦት ውሩያት ውልቀ-ሰባትን፣ኣብ‘ቲ ንሓደ ዓመት ዝዘልቅ ዝኽሪ መበል ሰብዓ ዓመት ምስረታ ድምፂ ኣሜሪካ ተንፀምቢሮም።

ፕረዚደንት በራክ ኦባማ ዝሃብዎ ሪኢቶ “ቪኦኤ ቅኑዕን ርቱዕን” ዜና ናብ‘ቶም ኣድማሳዊ መሰላት ዝግህሱ መንግስታት ዝርከብሉ ህዝቢታት ኣብ ምቅራብ ይርከብ ኢሎም ንኢዶም።

ሳላ ፃዕሪ ቪኦኤ፣ኣሜሪካ ሓያል ዓለምና ድማ ዝያዳ ርትዓዊት ኮይና‘ላ ይብሉ።

በርማዊት ተሓላቂት ዴሞክራሲ ኣን ሳን ሱ ኪ ብወገነን፣መበል ሰብዓ ዓመት ዝኽሪ ቪኦኤ ማዕረ ውልደት ዓርኪኻ‘ዩ፣ቪኦኤን ካልኦት ሚድያታትን ኣብ ማእሰርቲ ኣብ ዝፀንሓለን ዓመታት ይከታተላ ከምዝነበራ ጠቂሰን።

ሰብዓ ዓመት ምስረታ ቪኦኤ ይዝከር ዘሎ፣እዚ ትካል‘ዚ ሕፅረት በጀትን ምቁራፅ ገለ ኣገልግሎት ቋንቋታትን ኣብ ዝተገበረሉ ሃዋሁ‘ዩ።

XS
SM
MD
LG