ዋሽንግተን ዲሲ —
ብምትሕብባር ማሕበር ምሁራንን ሰብ-ሞያን ኢትዮጵያ ምስ ሳተላይት ቴሌቭዥን ኢትዮጵያ (ኢሳት) ዝተዳለወ መድረኽ ዘተ ዝሓለፈ ሰንበት ኣብ ዋሽንግተን ዲሲ ተካይዱ’ሎ።
እቲ ‘ራኢ ኢትዮጵያ - ኤርትራ’ ዝጽዋዕ ዋዕላ፣እዋናዊ ኩነታት ቀርኒ ኣፍሪቃ፣ ኢትዮጵያን ኤርትራን፣ ተራ ዜጋታት ኣብ ምምላስ ንቡርን ዘላቂን ሰላምን’ውን ዘትዩ’ሎ።
ኣብ’ቲ መድረኽ፣ ምሁራት ክልቲኤን ሃገራት ከምኡውን ሚንስትር ጉዳያት ኣፍሪቃ ዝነበሩ ሄርማን ኮሐንን ኣምባሳደር ኣሜሪካ ኣብ ኢትዮጵያ ዝነበሩ ዴቪድ ሽንን ተረኺቦም ነይሮም።
ኤርትራዊ ኣቶ ታሪኩ ደብረፅየን፣ መፅናዕታዊ ፅሑፍ ካብ ዘቅረቡ ምሁራት ሓደ’ዩ። ንሱ ኣብ ጽሑፉ ኣገዳስነት ሰላም፣ ህድኣት፣ ፍቅሪን ምክብባርን ኣብ ሞንጎ ህዝብታት ጠቂሱ’ሎ።
ኣብ ሞንጎ ክልቲኤን ሃገራት ተኸሲቱ ዘሎ ‘ኩነታት ኣይሰላም ኣይኹናት መዕለቢ ክግበረሉ ይግባእ’ ይብል ንሱ።
ምሉእ ትሕዝቶ ጸብጻብ አብዚ ምስማዕ ይከአል።