ዋሽንግተን —
ቀዳም 14 ለካቲት 2025 ንዝጅምር መበል 38 ስሩዕ ዋዕላ ሕብረት ኣፍሪቃ ሎሚ ረቡዕ ንፈጸምቲ ኣባላት እቲ ሕብረት መደረ ዘስምዐ ኮሚሽነር ሙሳ ፋኪ መሃማት፡ “ኣብ ሱዳንን ደሞክራሲያዊት ርፓብሊክ ኮንጎን ዝካየድ ዘሎ ኲናት ዝለዓለ ጥርዚ ናይቲ ኣብ ኣህጉር ኣፍሪቃ ዝካየድ ዘሎ ሰንሰለታዊ ጎንጺ’ዩ” ክብል ገሊጹ።
እቲ መሪሕነቱ ኣብ ቀረባ መዓልታት ዝዛዝም ዘሎ ኮሚሽነር፡ ኣብታ ኣህጉር ሓያሎ ገስጋስ እኳ እንተ ተኻይደ፡ ነቲ ዘሎ ጎንጽታት ግን ንድሕሪት ዝመልስን ዓቢ ጸጋታት ዝወስድን’ዩ ክብል ወሲኹ ሓቢሩ። በቲ ኮሚሽን ዝበጋገስ በበይኑ ፕሮጀክታት ብሰንኪ ሕጽረት ዓለምለኸ ሓገዛት ጸገማት ክጎንፎ ከም ዝኽእል ዘጠንቀቐ ኮሚሽነር ማህማት፡ ኣባል ሃገራት ንሓድሕደን ክደጋገፋን ነቲ ዘሎ ዓለማዊ ከይዲ ዝገጥም ፖሊሲታት ክሕንጽጻን ጸዊዑ።
ቅጥዒ