ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ሱማሊያ: ብዝተፈጥረ ግጭት እንተወሓደ ሸውዓተ ሰባት​ ተቐቲሎም


ኣብ ማእኸላይ ሱማሊያ ሎሚ ባሕቲ ነሓሰ ብዝተፈጥረ ግጭት እንተወሓደ ሸውዓተ ሰባት​ ተቐቲሎም ካልኦት 18 ሰባት ድማ ከምዝቖሰሉ መሰኻኽርን ሰበስልጣንን ገሊፆም።

ኣብ ማእኸላይ ሱማሊያ ኣብ ዞባ ጋልጉዱድ ሒን-ኣደ ኣብ ዝተብሃለት ናይ ገጠር ዓዲ ኣብ መንጎ ሚሊሺያታት ተቐናቐንቲ ዓሌታት እዩ እቲ ውግእ ተኻይዱ።

መብዛሕቲኦም ዝቖሰሉ ተወጋእቲ ክልቲኦም ወገናት እዮም።

ነቲ ግጭት ንምፍታሕ ፃዕርታት ይካየዱ ኣለው።ከንቲባ ኤል-በር ኑር ኮሌኔል ሓሳን ጉታሌ መንግስቲ ሱማሊያ፣ኣብታ ከተማ ዝርከቡ ወታደራት ሕብረት ኣፍሪካን ዓበይቲ ሽማግለታት እቲ ከባቢን ነቲ ውግእ ጠጠው ከብሉዎ ፀዊዖም ኣለው።

‘’በቲ ግጭት ሸውዓተ ሰባት ተቐቲሎም ካልኦት 18 ቆሲሎም ዝበሉ ኮሌኔል ጉታሌ ምስ ኣል-ቃይዳ ምትእስሳር ዘለዎ ኣኽራሪ ጉጅለ ኣል-ሸባብ ብድሕሪት እቲ ናይ ነገዳት ግጭት እዩ ክብሉ ኸሲሶም ኣለው።

ብኻሊእ ዜና ትማሊ ሰንበት ኣብ ከተማ ሞቓድሾ ኣብ ዝርከብ ቐፅሪ ፖሊስ ብዝተፈፀመ መጥቓዕቲ ነቲ መጥቓዕቲ ዝፈፀሙ ሸውዓተ ሓዊሱ እንተወሓደ 13 ሰባት ተቐቲሎም።

ኣብዚኣ'ሞ

ዚምባብወ ድሕሪ ሙጋበ ሕጂውን በቲ ገዛኢ ሰልፊ ምሕደርኣ ክቕጽል'ዩ። እዚ ኣብ'ታ ሃገር ዝተራእየ ለውጢ እምበኣር

እዚ ሳይንቲፊካዊ ዘይኮነ መዐቀኒ ህዝባዊ ርእይቶ፤ ንርእይቶ ወሃብቱ ጥራይ እዩ ዘመልክት

XS
SM
MD
LG