ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ቅልውላው ደቡብ ሱዳን ፖለቲካዊ ፍታሕ ከምዝጠልብ ተገሊፁ


South Sudan
South Sudan
ብሓደ ዝዓለወ ጀነራል ዝምራሕ ሰራዊት ንርእሰ ከተማ ዮንግለይ ቦር ትማሊ ረቡዕ ከምዝተቆፃፀራ መንግስቲ ደቡብ ሱዳን ኣፍሊጡ‘ሎ።

ምንስትር ወፃኢ ደቡባውያን በርናባ ማርየል ቤንጃሚን ንቪኦኤ ክዛረቡ ከለው፣ኣብ ቦር ዝነበሩ ሰራሕተኛታት መንግስቲ ስለህይወቶም ኢሎም ካብ‘ቲ ከባቢ ከምዝረሓቁ ገሊፁ።

ሚስተር ቤንያሚን ኣብ ዘረብኡ፣ተወሳኺ ሰራዊት ናብ‘ቲ ከባቢ ክብገስን ነቲ ዝተመንዘዐ ከባቢ መሊሱ ንምቁፅፃርን ክሰርሕ ምኳኑ ጠቂሱ።

ረቡዕ መግለፂ ዝሃቡ ፕረዚደንት ኬር፣ምስ’ቶም ዝሓለፈ ሓምለ ብመሰረት ዝተወሰደ ወፍሪ ብወዛ ኣባላት ካቢነ ካብ ምክትል ፕረዚደንት ምስ ዝወረዱ ሚስተር መቻር ክላዘቡ ቅሩብ ምኳኖም ኣፍሊጦም‘ዮም።

ምክትል ዋና ፀሓፊ ሕ/ሃ ያን ኤልያሰን፣ኣብ ልዕሊ ልኡኽ ሕ/ሃ ደቡብ ሱዳን መጥቃዕቲ ከምዝተፈፀመ ግን ፀብፃብ ከምዘይበፅሖም ምስገለፁ ገሊፆም።

እዚ ከም‘ዚ‘ሉ ከሎ፣ዋና ፀሓፊ ሕ/ሃ ባንኪ ሙን፣ፕረዚደንት ሳልቫ ኬር ምስ መናሕንሕቶም ክላዘቡ ምስ ሕ/ሃ ክተሓባበሩን ፀዊዖም።

ሁማን ራይት ዋች ብወገኑ ኣብ ዝዘርገሖ መግለፂ፣ሰራዊት ኣብ ነገድ ዘነፃፀረ መጥቃዕቲ ይፍኑ‘ሎ፣ክልቲኦም ነገዳት ማዕረ ግዳያት ይኾኑ‘ለው ኢሉ‘ሎ።
XS
SM
MD
LG