ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኣብ ኹናት ሶርያ ኣሳድ ተሓታቲ ኣይኮነን ኢሎም ፕረዚደንት ፑትን


ቭላድሚር ፑትን
ቭላድሚር ፑትን

‘ኣብ ሶርያ ኣብ ልዕሊ ሰላማዊያን ሰባት ዝወረደ ሞት ብጠንቂ ደባይ ተዋጋእቲን ወፃእተኛ ሓገዝቶምን’ምበር ብሰሪ ፕረዚደንት ኣል ኣሳድ ኣይኮነን’ ኢሎም ፕረዚደንት ሩስያ።

ምስ ጋዜጣ ጀርመን ቃለ-መጠይቅ ዘካየዱ ፕረዚደንት ቭላድሚር ፑትን ‘ኣሳድ ኣንፃር’ቶም ንመንግስቲ ይዋግኡ ዘለው’ዩ ይዋጋእ ዘሎ። ኣብ’ዘን ዝሓለፋ 5 ዓመታት ርፅም ብዙሕ ጌጋታት ፈፂሙ’ዩ፡ ግን ነቲ ኣብ’ታ ሃገር ዝተኸሰተ ጥፍኣት ተሓታቲ ኣይኮነን’ ኢሎም።

‘ኣፅዋር፣ ገንዘብን ተዋጋእቲን ካብ ወፃኢ ናብ ሶርያ እንተዘይውሕዝ ነይሩ፣ ግጭት ሶርያ ናብ’ቲ ሎሚ ዝርከቦ ብርኪ ኣይምበፅሐን’ ይብሉ ፑትን።

መን’ዩ ዝሕተተሉ? እቲ ንሓድነት ሶርያ ንምዕቃብ ይፍትን ዘሎ ድዩ? ወይስ እቶም ንሶርያ ንምብታን ኣንፃር መንግስቲ ይዋግኡ ዘለው? ኢሎም’ውን ሓተቱ መራሒ ሩስያ።

ሕ/ሃ ንተፃባእቲ ወገናት ሶርያ ናብ ልዝብ ንክቀርቡ ኣብ ዝፅዕረሉ እዋን፣ መግለፂ ዝሃቡ ፕረዚደንት ፑትን ‘ሶርያ ከምዒራቅን ሊብያን ክትክውን ኣይደልን’ ኢሎም።

XS
SM
MD
LG