ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኣብ ቬትናም ብዝሒ ብሰንኪ ህቦቡላዊ ዝናብ ዝሞቱ ናብ 199 ደዪቡ


ኣብ ቬትናም ብሰንኪ 'ያጊ' ተባሂሉ ዝተጸውዐ ህቦብላዊ ዝናብ፡ ብዝሒ ምዉታት ናብ 199 ክድይብ እንከሎ፡ 128 ድማ ገና ደሃዮም ኣይተረኽበን። ማዕከናት ዜና ቬትናም በቲ ባህርያዊ ሓደጋ 800 ሰባት’ውን ምቝሳሎም ኣመልኪተን ኣለዋ።

ኣብ ርእሰ-ከተማ ሃኖይ፡ ውሕጅ ናብ ጎደናታት እታ ከተማ ውሒዙ ገና ንገዛውቲ የዕለቕልቕ ምህላዉ ኣገልግሎት ዜና ኣሶሸይትድ ፕረስ ሓቢሩ።ኣብቲ ዘዕለቕልቕ ዘሎ ጎደናታት ከተማ ሃኖይ ንኣሽቱ ጀላቡ ነቲ ማይ ክጸርጋ ይርኣያ ኣለዋ።

እዚ ናይ ሎሚ ውሕጅ ኣብ ሃኖይ ኣብ ዝሓለፈ 20 ዓመታት እቲ ዝኸፍአ ምዃኑ ሰብ-መዚ ይሕብሩ።

ነበርቲ ካብ ሰሉስ ጀሚሮም ኣባይቶም ሓዲጎም ናብ ካልእ ቦታ ክሃድሙ ጸኒሖም’ዮም።

ካብ ረቡዕ ጀሚሩ ድማ ሓይሊ መብራህቲን ኣገልግሎት ማይን እታ ከተማ ስለ ዘቋረጸ ናብ ዝኸፍአ ሰብኣዊ ቅልውላው መሪሑ ኣሎ።

ቅጥዒ

XS
SM
MD
LG