ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኣብ ዶብ ኢትዮጵያን ደቡብ ሱዳን ኣብ ዘጋጠመ ግጭት ዝቆሰሉ ይሕከሙ'ለው - ቀይሕ መስቀል


ወሃቢ ቃል ዓለም-ለኸ ቀይሕ መስቀል ምብራቅ ኣፍሪቃ ጆስን ስትራዝዮስ
ወሃቢ ቃል ዓለም-ለኸ ቀይሕ መስቀል ምብራቅ ኣፍሪቃ ጆስን ስትራዝዮስ

ኣብ ቀረባ እዋን ኣብ ዶብ ኢትዮጵያን ደቡብ ሱዳን ብዝነበረ ግጭት ዝቆሰሉ ሰባት ዓለም-ለኸ ኮሚቴ ቀይሕ መስቀል ኣብ ዝሕግዞ ሆስፒታል ይሕከሙ ከምዘለዉ ተገሊጹ።

ወሃቢ ቃል ዓለም-ለኸ ኮሚተ ቀይሕ መስቀል ምብራቅ ኣፍሪቃ ካብ መንጎ’ቶም ተሓከምቲ ደቂ-ኣንስትዮን ቆልዑን ከምዝርከብዎም ንድምጺ ኣሜሪካ ሓቢሩ’ሎ።

ካብ ናይሮቢ ብስልኪ ንድምጺ ኣሜሪካ መብርሂ ዝሃቡ ናይቲ ኮሚተ ወሃቢ ቃል ምብራቅ ኣፍሪቃ ጆስን ስትራዝዮስ ካብ መንጎ’ቶም ተሓከምቲ መብዛሕትኦም ብጥይት ዝቆሰሉ ምኳኖምን ደቂ-ኣንስትዮን ቆልዑን ዝርኸብዎም ኣስታት 40 ሰባት ከምዝኾኑን ገሊጾም።

እቲ ሆስፒታል ካብ ጋምቤላ 20 ኪ.ሜ ርሒቁ ኣብ ውሽጢ ደቡብ ሱዳን ከምዝርከብ ዝገለጹ እቶም ወሃቢ ቃል እቶም ተሓከምቲ ዜጋታት ኣየነይቲ ሃገር ምኳኖም ግን ከረጋግጹ ከምዘይከአሉ ተዛሪቦም።

ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል።

ኣብ ዶብ ኢትዮጵያን ደቡብ ሱዳን ኣብ ዘጋጠመ ግጭት ዝቆሰሉ ይሕከሙ'ለው - ቀይሕ መስቀል
please wait

No media source currently available

0:00 0:01:42 0:00

XS
SM
MD
LG