ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ምክትል ፕረ. ኣሜሪካ ብ "ፉት ቦል" ዝፍለጥ ጸወታ ኩዕሶ እግሪ ኣመሪካ ገዲፎምዎም ምውጽኦም የዘራርብ


ምክትል ፕረዝደንት ኣሜሪካ ማይክ ፔንስ ኣብ ክፍለ ግዝኣት ኢንዳንያ ዝኻየድ ዝነበረ ጸወታ ኩዕሶ እግሪ ተጻወቲ ኣብ እዋን ሃገራዊ መዝሙር ብምንብርኻኮም ጸወታ ገዲፎም ምውጽኦም ተገሊጹ።

ምክትል ፕረ. ኣሜሪካ ብ "ፉት ቦል" ዝፍለጥ ጸወታ ኩዕሶ እግሪ ኣመሪካ ገዲፎምዎም ምውጽኦም የዘራርብ
please wait

No media source currently available

0:00 0:01:05 0:00

ኣቐዲሞም ከንቲባ ክፍለ ግዝኣት ኢንድያና ዝነበሩ ማይክ ፔንስ ኣብ ቲዊተር ዘውጽእዎ መልእክቲ “ ነቲ ጸወታ ገዲፈ ዝወጻእኩ ኣነ ኮነ ፕረዝደንት ትራምፕ ንሰራዊት፡ ባንዴራን ሃገራዊ መዝሙር ሃገርና ክብሪ ዘይህብ ተግባር ኣይነኽብርን ኢና “ ኢሎም።

ገለ ንተግባር እቶም ተጻወቲ ዝድግፉ ወገናት እቶም ተጻወቲ ኣብ እዋን ሃገራዊ መዝሙር ዝንብርከክሉ ምክንያት ንዓሌታዊ ዘይፍትሃዊነትን ማህበራዊ ዘይማዕርነት ዘለዎም ተቓውሞ ንምግላጽ እዩ ይብሉ።

ፕረዚደንት ትራምፕ ብወገኖም ስጉምቲ ምክትል ፕረዚደንት ብሃንደበት ዝኾነ ኣይኮነን ክብሉ ኣብ ናይ ቲዊተር መልእኽቲ ገሊጾም ኣለው።

XS
SM
MD
LG