ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ም/ፕረ.ኣመሪካ ካመላ ሃሪስ ኣብ ጋና ምብጻሕ የካይዳ ኣለዋ


ምኽትል ፕረዚደንት ኣመሪካ ካማላ ሃሪስ ምስ ፕረዚደንት ጋና ናና ኣኩፎ-ኣዶ ኣብ ከተማ ኣክራ ተራኺበን:ተዘራሪበን። ክልቲኦም መራሕቲ ኣብ ቁጠባውን ዞባዊ ምርግጋእን ሓዊሱ ኣብ ዝተፈላለዩ ዛዕባታት ከምዝዘተዩንን ስዒቡ ድማ ንጋዜጠኛታት መብርሂ ከምዝሃቡን ተፈሊጡ ኣሎ።

ምኽትል ፕረዚደንት ካማላ ሃሪስ ጽባሕ ሰሉስ ኣብቲ ባሮት ኣብ መራኽብ ዝስቀልሉ ኬፕ ኮስት ካስል ተረኺበን መደረ ከስምዓ እየን።

ሎሚ ሰኑይ ምስ ሰበ ስልጣንን ስነጥበኛታትን ዝተራኸባ ሃሪስ ጽባሕ ረቡዕ ምስ ነጋዶ'ታ ሃገር ከምዘራረባን ናብ ታንዛኒያ ከምዘምርሓን ተፈሊጡ'ሎ።

XS
SM
MD
LG