ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ምኽትል ኣቦ-መንበር ተቓዋሚ ውድብ ዲሞክራስያዊ ሕብረት ህዝብታት ኦሞ ተኣሲሮም


ምኽትል ኣቦ መንበር ተቓዋሚ ውድብ ዴሞክራስያዊ ሕብረት ህዝብታት ኦሞን ካልኦት ክልተ ሰባትን ብፖሊስ ከምዝተኣሰሩን ንዝሓልፉ ሓሙሽተ መዓልታት ኣብ ማእሰርቲ ምጽንሖምን ናብ ቤት ፍርዲ ከምዘይቀረቡን ተፈሊጡ።

ቤት ፍርዲ እቲ ዞባ ነቲ ጉዳይ ናይ ምርኣይ ስልጣን ስለዘይብሉ ፖሊስ ናብቲ ቤት ፍርዲ ከምዘየቕረቦም'ውን ገሊጹ’ሎ።

ምኽትል ኣቦ መንበር ዴሞክራሲያዊ ሕብረት ህዝብታት ኦሞ ኣቶ ኣለማየሁ መኮነን፣ኣባል እቲ ፓርቲ ኣብርሃም ብዙነህን ብኣባልነት ፓርቲ ዘይፍለጡ ኣቶ ስለሺ ጌታቸውን 17 መጋቢት 2008 ዓ.ም ኣብ ክልል ደቡብ ብፖሊስ ከተማ ጂንካ ምስተትሓዙ ሎሚ ኣብ ሃዋሳ ከተማ ተኣሲሮም ከምዝርከቡ ናይቲ ውድብ ኣቦ መንበር ኣቶ ግርማ በቀለ ንድምጺ ኣሜሪካ ገሊጾም።

ብተወሳኺ ትእዛዝ ቤት ፍርዲ ዝሓዙ ኣባላት ፖሊስ ዝሓለፈ ቀዳም ንመንበሪ ገዛ ኣቶ ኣለማየሁ ምፍታሾም ተፈሊጡ’ሎ።ካብ መንበሪ ገዛ ተጠርጣሪ ናይ ግንቦት ሸውዓተ ኣርበኞች ጽሑፋት፣ናይ መራኸቢ መሳርሒታትን ኣጽዋርን ንክሕዙ ኣዚዙ እንተነበረ እውን ዝተረኽበ ግን ናይ መዝሙር ካሴታት፣ጽሑፋት ስነ-ግጥሚ፣ቅድሚ ሎሚ ኣብቲ ከባቢ ብሰንኪ ዝተፈጥሩ ግጭታት ዝርዝር ዝተጎድኡ ሰባት ከምዝኾነ ኣቶ ግርማ ገሊጾም።

ኣዛዚ ፖሊስ ጂንካ ሓለቓ ሽሕ ሺኩን ኣርቴ ተጠርጠርቲ ናብ ቤት ፍርዲ ዘይቀረብሉ ምኽንያት ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ እቲ ዞባ ናይ ምርኣይ ስልጣን የብለይን ስለዝበለ፣እንታይ ክንገብር ከምዘለና ምስ ፖሊስ ኮሚሽን እቲ ክልል እናተዘራረብናሉ ኢና ኢሎም።ዝርዝር ሓበሬታ ንምሃብ ግን ፍቓደኛ ኣይኮኑን።

XS
SM
MD
LG