ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ሓርበኛታት ንሓርበኛታት፤ማዕልቲ ሓርበኛትታ ኣብ ዩናይትድ ስቴትስ


A group of veterans await a clothing giveaway at St. Anthony Foundation in San Francisco, California November 8, 2013. Homeless and low-income veterans receive free clothing such as suits, dress shirts, belts and shoes ahead of the U.S observance of Veter
A group of veterans await a clothing giveaway at St. Anthony Foundation in San Francisco, California November 8, 2013. Homeless and low-income veterans receive free clothing such as suits, dress shirts, belts and shoes ahead of the U.S observance of Veter
ሓደ ንትርፊ ዘይሰርሕ ትካል ዩናይትድ ስቴትስ ትማሊ ሰኒ ኣብ ዝተኸበረ ማዕልቲ ሓረበኛታት ወታደራት ዝነበሩ ሓርበኛታት ብወለንተኝነት ብምትእኽኻብ ዋሽንግተን ኣብ ዝርከብ ቤተ ክርስቲያን ብዙሓት ሓረበኛታት ንዝርከብዎም መንበሪ ኣልቦ ሰባት ምግቢ ኣዳሊዮም መጊቦም እዮም።እዚ Miriam's Kitchen ዝተብሃለ ትካል ሓረበኛታትን ካልኦትን ጎደና ሓደር ሰባት ናብ ስሩዕ ናብርኦም ንምምላስ ይሰርሕ።

ትማሊ ሰኒ ኣብ ከተማ ዋሽንግተን ዲሲ ዕለት ሓርበኛታት ምኽንያት ብምግባር 20 ዝኾኑ ወለንተኛታት ንጎደና ሓደርቲ ምግቢ ምድላው ዝጀመሩ ካብ ንጉሆ ኣትሒዞም እዮም።
እቲ ምድላ ጎደና ሓደርቲ ሓርበኛታት ሓዊሱ ንልዕሊ 100 ሰባት ቁርሲ ንምምጋብ እዩ።
ሓላዊ ወሰን ማያት ዩናይትድ ስቴትስ ክልንት ትሮኪ ንዕኦም ምሕጋዝ ግቡአይ ኮይኑ ይስምዓኒ ከም ካልኦት ብዙሓት ሓርበኛታት ኣብዚ ኣብ ዋሽንግተን ዲሲ ብኣዝዩ ሕሱም መንበሪ ኣልቦነት ንዝሳቐዩ ካልኦት ሓረበኛታት ንምሕጋዝ ኢና መፂኢና ዘለና ይብል።
ንትርፊ ዘይሰርሕ ትካል Miriam's Kitchen ንዝሓለፉ 30 ዓመታት ኣብ ዋሽንግተን ዲሲ ንዝርከቡ ጎደና ሓደርቲ ምግቢ ከቕርብ ዝፀንሐ ትካል እዩ።

ፎጊ ቦቶም ኣብ ዝተብሃለ ክፋል ከተማ ዋሽንግተን ዲሲ ኣብ ዝርከብ ቤተክርስቲያን ዌስተርን ፕሪስብተሪያን ንኣሽሓት ጎደና ሓደርቲ ሰባት ኣገልግሎት ይህብ።

ኣብራሪ ሓይሊ ኣየር ዝነበረ ሁጎ ሺሚት ኣባይቶም ንዝስኣኑ ሓርበኛታት ኽብሪ ክብሃል ኣብ Miriam's Kitchen ነፃ ኣገልግሎት ንማህብ ካብ ዝመፁ ሸውዓተ ፍቓደኛታት ሓደ እዩ።ከምዚ ድማ ይብል ‘’ብዛዕብኦም ዝገደሱ ሰባት ከምዘለው እምነት ክሓድሮም ከምዝገብር ተስፋ ኣለኒ።ብዛዕባ ደሕንነቶም ዝሻቐሉ ሰባት ከምዘለው ክፈልጡ ድልየት ኣለ’’ይብል።

The National Alliance to End Homelessness ሃገራዊ ጥምረት ንምብቃዕ ጎደና ሓደርነት ዝተብሃለ ትካል ኣብ ዩናይትድ ስቴትስ ካብ ዝርከቡ ጎደና ሓደርቲ እቶም 10 ሚእታዊ ሓረበኛታት ምዃኖም ይገልፅ።

ሓርበኛታት ጎደና ሓደርቲ ካብቶም ካልኦት ጎደና ሓደርቲ ንነዊሕ እዋን ኣብ ጎደና ናይ ምፅናሕ ዕድል ኣለዎ ይብል Miriam's Kitchen።

ሚሪያም ናይ ሓርበኛታት ሓዊሱ ናይ ብዙሓት ጎደና ሓደር ሰባት መንበሪ እዩ ዝበሉ ዋና ኣሰንዳኢ ምግቢ Miriam's Kitchen ግዚያዊ መዕቖቢ እዩ በሉ።ኣስዒቦም ‘’ሸቶና ንዕኦም ቀዋሚ ገዛ ንምሃብ ምፍታን እዩ።ክብሮም ዝሕለወሉ፣ኣካል እቲ ማሕበረሰብ ምዃኖም ዝፈልጥሉ ቦታ እዩ’’ኢሎም።

ካብቲ ማሕበረሰብ ተረባሒ ምዃኑ ዝገለፀ ካብ ሎስ ኣንጀለስ ዝመፀ መንበሪ ኣልቦ ሓርበኛ ጄፍ ጊሊያም ንዝሓለፉ ክልተ ዓመታት ምስ ሚሪያም ከምዝፀንሐን ነዊሕ ከምዝተጉዓዘን ካብ ጎደና ሓደርነት ኣብቶም ዝቕፅሉ ሰሙናት ናብ ናይ ውልቀይ ቦታ ምህላው ተሰጋጊረ ኣለኹ ይብል።
እቲ ሓርበኛ ሓይሊ ባሕሪ ከምዝበሎ ሓሽሽን ኣልኮላዊ መስተን መንበሪ ግዝኡ ንኽስእን ኣስተዋፅኦ ዝገበሩ ሱሳት እዮም።

ሎሚ ኢሉ ንሱ ብሳላ ብፌደራላዊ መንግስቲ ዝውሃብ ኣገልግሎት ምኽሪ ካብ ሓሽሽን መስተን ነፃ ኮይነ ኣለኹ ይብል።’’እቲ ሓገዝ ኩልሻዕ ኣሎ እዩ።ኣብኡ’ሎ።ምክትታል ምኽኣል እዩ’’ ይብል።

ንመንበሪ ኣልቦ ዝሕለቑ ሰባት ንጎደና ሓደር ኣወንታዊ ደገፍ እንተገይርኻሎም ዓርሶም ክኢሎም ናይ ምንባር ዕድልዮም ክመሓየሽ፣ብኡ ኣቢሉ ድማ ንጎደና ሓደር ዝወፅእ ገንዘብ ህዝቢ እውን ይቕንስ እዩ ይብሉ።
XS
SM
MD
LG