ድሕሪ ምዝዛም ጽምብል ሓድሽ ዓመት፡ ረቡዕ ኣጋ-ወጋሕታ፡ እታ ከተማ ንዓቢ ስፖርታዊ ግጥማት እናተጸበየት ኣብ ኒው-ኦርሊንስ ዘጋጠመ መጥቃዕቲ ብመኪና፡ 15 ሰባት ቀቲሉ ልዕሊ 30 ድማ ኣቝሲሉ። ፈደራላዊ መርመራ ገበን (FBI)፡ ኣመሪካ ፈጻሚ መጥቃዕቲ ምስ ሓይልታት ዳዕሽ ምትእስሳር ከም ዘለዎ ኣመልኪቱ ኣሎ።
ብመሰረት ፕረዚደንት ጆ ባይደን ዝሃቦ ቃል ሰዓታት ቅድሚ’ቲ መጥቃዕቲ፡ ሻምሰዲን ጃበር፡ ነቲ እስላማዊ ጉጅለ ዘለዎ ድጋፍን ብስርሓቶም ተተባቢዑ ነቲ ተግባር ከም ዝፈጸሞ ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢታቱ ዘርግሒ ነይሩ።
ወዲ 42 ዓመት፡ ነባሪ ቴክሳስ ዝዀነ ኣመሪካዊ ጥርጡር ሻምሰዲን ጃበር፡ ኣብታ ናብ ህዝቢ ዝጣሕሰሰላ መኪናኡ፡ ባንዴራ ዳዕሽ ከንበልብል ምርኣዩ ድሒሩ ኣብ ዝወጽእ ዘሎ መርመራታት የመልክት። ብመሰረት ሓበሬታ ሮይተርስ፡ ጃበር ካብ 2007 ክሳብ 2015 ኣባል ሰራዊት ኣመሪካ ኰይኑ፡ ካብ 2009 ክሳብ 2010 ድማ ኣብ ኣፍጋኒስታን ምስ ተልእኾ ኣመሪካውያን ወታሃደራት ተሳቲፉ ነይሩ።
ናይ ጽባሕ ሓድሽ ዓመት መጥቃዕቲ መኪና ንእኩብ ህዝቢ፡ መወሰኽታ ናይ ከምዚ ዝመስል ሰንሰለታዊ ተርእዮታትን ሓድሽ ግንባር መጥቃዕቲ ጽንፈኛታትን’ዩ።
ትካል ጸጥታ ሳይበርን ትሕተ-ቅርጺን ኣመሪካ ብመካይን ዝግበር ጃምላዊ ቅትለት ካብቲ ዝኸፍአ ሓደጋታት ኣመሪካ ምዃኑ የጠንቅቕ።
ሮይተርስ ኣብ ዝኣከቦ ሓበሬታ እቲ ኣብ 2016 ኣብ ኒስ ፈረንሳይ ዝጀመረ ብመኪና ጌርካ ንእኩብ ህዝቢ ሓደጋ ምፍጻም በብእዋኑ እናዓበየን እናተለምደን ይመጽእ ምህላዉ የመልክት። እዚ ናይ ጽባሕ ሓድሽ-ዓመት ተጓንፎ ከም መበገሲ ወሲዱ፡ ተመሳሳሊ ሮይተርስ ዝጸብጸቦም ተርእዮታት ምስ እንምልከት፤
ማግድቡርግ ጀርመን
ዝሓለፈ ወርሒ ወዲ 50 ዓመት ስዑዳዊ ዜጋን ነባሪ ጀርመንን ኣብ ዕዳጋ ልደት ጀርመናዊ ከተማ ማግድበርግ፡ ናብቲ እኩብ ህዝቢ ብናህሪ ብመኪና ጣሕሲሱ ሓሙሽተ ሰባት ቀቲሉ: 200 ድማ ኣቝሲሉ።
ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ዝርከብ ጥርጡር ምስ ሕሉፋት የማናውያን ኣኽረርቲ ጀርመንን ምስ ስርዓት ናዚ ምድንጋጽ ከም ዘለዎም ዝግለጽ ወገናት ጸግኢ ከም ዘለዎ ይሕበር።
ዙሃይ ቻይና
ኣብ ወርሒ ሕዳር ናይ ዓመተ 2024 ኣብ ዙሃይ ቻይና፡ ወዲ 62 ዜጋ፡ ብናህሪ ናብ ስታዩም ስፖርት ብምዝዋር 35 ሰባት ቀቲሉ፡ 43 ድማ ኣቝሲሉ። ኣብ ናይ ቀረባ ዓመታት ታሪኽ ቻይና ዝኸፍአ ሓደጋ መኪና ምዃኑ ዝተነግረሉ ፍጻመ፡ ድሒሩ ኣብ ዝተገብረ መርመራ፡ ፈጻመ መጥቃዕቲ ምስ ሓዳሩ ዝነበሮ ኩራ ተደፋፊኡ ነቲ ጃምላዊ ቅትለት ከም ዝፈጸሞ መዛግብቲ ፖሊስ የመልክቱ።
ኦንታሪዮ ካናዳ
ንነብሱ ሕሉፍ ሃገራዊ ጻዕዳ ኢሉ ዝገልጽ ወዲ 22 ካናዳዊ ዜጋ፡ ብመኪና ገይሩ ኣርባዕተ ኣባላት ሓንቲ ስድራ ዝኾኑ ኣመንቲ እስልምና ቀቲሉ።
ቶሮንቶ ካናዳ
ኣብ 2018፡ ሓደ ብኽራይ ዘምጽኣ መኪና ጽዕነት ገይሩ ኣብ ብዙሕ ህዝቢ ዝንቀሳቐሰሉ ከተማ ቶረንቶ ብምጥሕሳስ 11 ቀቲሉ፡ 15 ድማ ኣቝሲሉ።
ኒው-ዮርክ ኣመሪካ
ኣብ ጥቅምቲ 2017 ወዲ 34 ዑዝበካዊ ዜጋ፡ ኣብ እኩብ ህዝቢ ማንሃታን ኒው-ዮርክ ብምጥሕሳስ ሸሞንተ ሰባት ቀቲሉ፡ 11 ድማ ኣቝሲሉ።
ባርሰሎና ስጳኛ
ኣብ ነሓሰ 2017 ወዲ 22 ስጳኛዊ ዜጋ ኣብቲ በጻሕቲ ብብዝሒ ዘዘውትሩሉ ከባቢታት ከተማ ባርሰሎና ብመኪና ገይሩ 13 ካብቲ እኩብ ህዝቢ ቀቲሉ ንኻልኦት’ውን ኣቝሲሉ። ኣጥቃዒ ኣብ እዋኑ ሃዲሙ ድሕሪ ምኻዱን ኣብ መንገዲ ክሕዞ ንዝፈተነ ሰብ ብኻራ ድሕሪ ምቕታሉን፡ ድሕሪ ገለ መዓልታት’ዩ ብፖሊስ ተቐቲሉ።
ኒው-ዮርክ ኣመሪካ
ኣብ ወርሒ መጋቢት 2017 ሓደ ኣባል ሰራዊት ዝነበረ ኣመሪካዊ ኣብቲ ብዙሕ ህዝቢ ዝመላለሶ ታይምስ ስኴር ናይ ከተማ ኒው-ዮርክ፡ ናብ ህዝቢ ብናህሪ ብምእታው ሓንቲ ሰበይቲ ቀቲሉ፡ 22 ድማ ኣቝሲሉ።
ሎንዶን እንግሊዝ፡
ኣብ መጋቢት 2017፡ ድሒሩ ናብ ሃይማኖት እስልምና ዝኣተወ እንግሊዛዊ ዜጋ፡ ኣብ ድልድል ዌስትሚኒስተር ናብ ተጓዓዝቲ እግረኛታት ብምቕናዕ፡ ምስቲ መናድቕ ኣላቲሙ ኣርባዕተ ቀቲሉ ካልኦት ዓሰርተታት ድማ ኣቝሲሉ። እቲ ዜጋ ክከላኻል ንመጽእ ፖሊስ’ውን ብኻራ ወጊኡ ቀቲሉ’ዩ፡ ድሒሩብፖሊስ ተቐቲሉ።
በርሊን ጀርመን
ኣብ ታሕሳስ 2016፡ ሕቶ ዑቕባ ዘይሰለጦ ቱኒዛዊ፡ መኪና ካብ ሰብ መንጢሉን ንዘዋሪኣ ቀቲሉን ናብ ዕዳጋ ልደት ብምቕናዕ፡ 11 ሰባት ንእለቱ ክቐትል እንከሎ፡ ካልኦት ብዓሰርተታት ዝቑጸሩ ድማ ኣቝሲሉ።
ኒስ ፈረንሳ
ኣብ 2016 ምስ ዳዕሽ ምትእስሳር ከም ዘለዎ ዝጥርጠር፡ መበቆሉ ቱኒዛዊ ዝዀነ ፈረንሳዊ ዜጋ፡ ኣብ ሓደ ህዝባዊ በዓል ኣብ ወደባዊት ከተማ ኒስ ብመኪና ገይሩ ነቲ እኩብ ህዝቢ ብምሕራስ 86 ሰባት ቀቲሉ። ድሕሪኡ ዝተበገሰ ተርእዮ እምበኣር’ዩ ሎሚ ናብ ሰንሰለታዊ ተግባር ኰይኑ፡ ተግባራት ግብረ-ሸበራ ተባሂሉ’ውን ተሰይሙ ዘሎ።
ቅጥዒ