ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኣብ ዩኒቨርስቲ ኔቫዳ ብዝተፈጸመ መጥቃዕቲ 3 ሰባት ሞይቶም


ዩኒቨርሲቲ ኔቫዳ ላስ ቬገስ
ዩኒቨርሲቲ ኔቫዳ ላስ ቬገስ

ኣብ ዩኒቨርሲቲ ኔቫዳ ላስ ቬገስ፣ ንሰለስተ ሰባት ዝቐተለን ንራብዓዮም ዘቑሰለን ዕጡቅ ብፖሊስ ከምዝተቀተለ ዝመጸ ዜና ሓቢሩ።

እቲ ትማሊ ረቡዕ ዘጋጠመ ፍጻመ፣ ነቶም ኣብ ትምህርቲ ዝነበሩ ተማሃሮን መምህራኖንም ከምዘርዐደ’ውን ተፈሊጡ ኣሎ። ብመሰረት ፖሊስ ዝሃቦ ሓበሬታ "ነቲ መጥቃዕቲ ዝፈጸመ ውልቀሰብ፣ ኣብ’ቲ ዩኒቨርስቲ ንክቁጸር ዘይካኣለ ፕሮፈሰር እዩ።"

እቲ ዩኒቨርስቲ፣ ኣብ ጥቓ እቲ ኣብ ታሪኽ ኣመሪካ ብዙሕ ሰባት ዝተቀትልሉ ዞባ ስለዝርከብ፣ ኣብ ተመክሮ ዝተመስረተ ኣተሓሕዛ ተመሳሳሊ መጥቃዕቲ ኣብ ረብሓ ብምውዓል፣ ነቲ ናይ ትማሊ ሓደጋ ንምንካይ ከምዝተኻኣለ’ውን ዝምልከቶም ሰበ ስልጣን ይዛረቡ።

ቅድሚ ሽዱሽተ ዓመት ኣብ’ታ ከተማ ዝተፈጸመ ናይ ሓደ ዕጡቅ መጥቃዕቲ፣ 60 ሰባት ከምዝሞቱን ልዕሊ 400 ሰባት ከምዝቆሰሉን ዝዝከር እዩ።

ዩኒቨርስቲ ኔቫዳ፣ ልዕሊ 30-ሽሕ ተማሃሮ ተቐቢሉ ዘስተኣናግድ ዩኒቨርስቲ ምኻኑ’ውን እቲ ዜና ጠቂሱ ኣሎ።

ቅጥዒ

XS
SM
MD
LG