ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

20 ነፈርቲ ተኻፈልቲ ምርኢት 'ቫንቴጅ ኤየር ራልይ' ኣብ ኢትዮጵያ ተታሒዘን


ነፈርቲ ቫንቴጅ ኤየር ራልይ
ነፈርቲ ቫንቴጅ ኤየር ራልይ

‘ቫንቴጅ ኤየር ራልይ’ ኣብ መላእ ኣፍሪቃ፣ ኣብ ውሽጢ 35 መዓልታትን ኣብ 37 መዕርፎ ነፈርቲን ንምብጻሕ መዲቡ ከምነበረን እቲ ወፍሪ ከምዝተኣጓጎለን’ ዝመጸና ዜና ሓቢሩ።

‘ኣብ መበል ዕስራ ክፍለ ዘመን ዝተሰርሓ ነፈርቲ ዝካፈላሉ ምርኢት በረራ ካብ ክሪት ማልታ ናብ ኬፕ ታውን ደቡብ ኣፍሪቃ፣ ንዓሰርተ ሃገራት ኣፍሪቃ ኣቋሪጹ ንምሕላፍ መደብ ከምዝነበሮምን፣ ዕስራ ካብ’ተን ነፋርቲ ኣብ ኢትዮጵያ ከምዝተታሓዛን’ ተገሊጹ።

ፋና ትካል ዜና ኢትዮጵያ ሎሚ ኣብ ዝዘርገሖ ሓበሬታ ድማ ‘ካብ ሱዳን ናብ ግዝኣት ኣየር ኢትዮጵያ ዝኣተዋ ዕስራ ነፈርቲ፣ ኣብ ጋምቤላ ንክዓርፋ ከምዝተገብረ ንቢሮ ሲቪል ኣቭየሽን ኢትዮጵያ ብምጥቃስ ጸብጺቡ’።

‘ሲቪል ኣቭየሽን ኢትዮጵያ፣ እተን ዕስራ ነፈርቲ ከመይን ስለምንታይን ናብ ኢትዮጵያ ከምዝኣተዋ ይጻረ ከምዘሎ’ውን’ ሓቢሩ።

ኣብ ምርኢት በረራ ‘ቫንቴጅ ኤየር ራልይ’ ይሳተፍ ዝነበረ እንግሊዛዊ ኣብራሪ ማውሪስ ኬርክ፣ ናብ ሰማይ ኢትዮጵያ ድሕሪ ምእታው ሃለዋቱ ተሰዊሩ’ ዝብል ሓበሬታ ትማሊ ከምዝተቃለሐ ዝዝከር’ዩ።

XS
SM
MD
LG