ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኢትዮጵያ ‘ኣባላት ቫንቴጅ ኤየር ራልይ በረረኦም ንክቅጽሉ ፈቂዳ’


ሓንቲ ካብ'ተን ነፈርቲ
ሓንቲ ካብ'ተን ነፈርቲ

ፈቃድ ከይረኸባ ናብ ግዝኣት ኣየራ ዝኣተዋ ዕስራ ነፈርቲ ምስ ፓይለታተን ጉዕዞአን ንክቅጽላ ብመንግስቲ ኢትዮጵያ ተወሲኑ።

ኮሎኔል ወሰንየለህ ሁነኛው ንቪኦኤ ክዛረቡ ከለው ‘እተን ነፈርቲ ካብ ሰሉስ ጀሚረን ኣብ ጋምቤላ ከምዝቀነያን፣ ኣብረርተን ናብ ኢትዮጵያ ዝኣተው፣ ኣይፋልኩምን እናተባሃሉ ከለው’ዩ’ ኢሎም።

ዳይረክተር ባዓል ስልጣን ሲቪል ኣቭየሽን ኢትዮጵያ ንቪኦኤ ኣብ ዝሃብዎ መግለጺ፣ እቶም ፓይለታት ኣይትኽእሉን እናተባሃሉ ከለው’ዮም ናብ ኢትዮጵያ ኣትዮም እውን ኢሎም።

ኢምባሲ ኣሜሪካ ኣብ ኣዲሳበባ’ውን እተን ነፈርቲ በረረአን ምቅጻለን ኣረጋጊጹ’ሎ።

ዝምልከቶ ኣካል ነቲ ኩነታት ኣጻርዩ፣ ኣብ መወዳእትኡ ሎሚ ዓርቢ እተን ነፈርቲ በረረአን ንክቅጽላ ብመንግስቲ ተወሲኑ’ሎ ኢሎም ኮሎኔል ወሰንየለህ ሁነኛው።

እቶም ካብ ኣሜሪካ፣ እንግሊዝን ካልኦት ሃገራትን ዝርከበኦም ነፈርቲ፣ ዓለም ለኸ ሕጊ ኣቭየሽን ካብ ምጥሓስ እንተዘይኮይኑ ምስ ካልእ ንኣብነት ኣብ ኢትዮጵያ ይትግበር ዘሎ ኣዋጅ ህጹጽ ጊዜ ዘራኽብ ነገር የብሎምን’ውን ኢሎም ዳይረክተር ሲቪል ኣቭየሽን ኢትዮጵያ።

XS
SM
MD
LG