ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

መግለጺ ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰላት ኢትዮጵያ


ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰላት ኢትዮጵያ ስርሑ ናጻን ገለልተኛን ብዝኾነ መንገዲ፡ ኣብ መትከላት ሰብኣዊ መሰላትን ሕግታትን ጥራይ ተመርኩሱ ስርሑ ዝፍጽም ኣካል'ዩ ክብል ኮሚሽነር'ቲ ኮሚሽን ዳንኤል በቀለ ኣፍሊጡ።

ኮሚሽነር ዳንኤል በቀለ ኣብ መግለጺኡ፡ እቲ ኮሚሽን ናጻን ዘይሻራውን ኮይኑ ክቕጽል ጻዕሪ ይካየድ ኣሎ ኢሉ።

እቲ ኮሚሽን ነዚ ዝበለ ቅድሚ ሽዱሽተ ኣዋርሕ ንዝተቐተለ ኣርቲስት ሃጫሉ ሁንደሳ ስዒቡ ዝተፈጥረ ህውከት ኣብ ክልል ኦሮሚያ ዝተፈጸመ ጥሕሰት መሰላት ውጽኢት መርመርኡ ንምፍላጥ ኣብ ዝጸውዖ መግለጺ'ዩ ። ካልኦት ዓለምለኸ ትካላት ነቲ ጉዳይ ንኽምርምርዎ ሕቶታት የልዕሉ'ዮም ዝብል ሕቶ ዝቐረበሉ ኮሚሽነር ዳንኤል በቀለ ፥ ንሰብኣዊ መሰል ንፖለቲካዊ ረብሓ ክጥቀምሉ ዝደልዩ ዓለምለኸ ትካላት ከምዘለዉ'ውን ክዝንጋዕ የብሉን ዝብል መልእኽቲ ኣሕሊፉ'ሎ።

"ስራሕና ናጻ`ዩ ገለልተኛ`ዩ። ናይ መንግስቲ ኮነ ናይ ዝኾነ ካልእ ጉጅለታት ይኹኑ ትካላት ተጽዕኖ የብሉን። ንሕና ንሰርሖ ስራሕ፥ ብመትከላት ሰብኣዊ መሰላትን ሕግታትን ጥራይ ተመሪሕና ንሰርሖ ስለዝኾነ ናጻን ገለልተኛን እዩ ኢልና ኢና ንኣምን። ኣብዚ ዝኾነ ጥርጥር የብልናን። ስለ ዝኾነ ድማ ስራሕና ብኣህጉራዊ ትካላትን መንግስታትን ከይተረፈ ካብ ግዜ ናብ ግዜ ተኣማንነት እናወሰኸ ከም ዝመጸ ክንግንዘብ ክኢልና ኣለና" ዝበለ ዶ/ር ዳንኤል "እዚ ማለት ግን፥ ናይ ኮሚሽና መርመራ ካብ ዝኾነ ነቐፈታ ወይ ወቐሳ ንላዕሊ ማለት ኣይኮነን-ንሕና`ውን ምኽንያታዊ ነቐፈታን ወቐሳን ክሳብ ዝኾነ ንቕበሎ ኢና" ኢሉ።

ብኻልእ ወገን ግን ሓደ ሓደ ናይ ፖለቲካ ዕላማ ዘለዎም ወቐሳታትን ነቐፈታትን ከም ዝዝርግሑ ፍሉጥ`ዩ ኢሉ ። ዶ/ር ዳንኤል በቀለ ኣስዒቡ ንሱ`ውን እንተኾነ ሓሳብካ ምቕራብ ናይ ዲሞክራሲ ሓደ ባህርይ ስለዝኾነ፥ ነዚ`ውን እቲ ኮሚሽን ከምዘኽብሮ ገሊጹ። እቲ ጸገም ግን ብደረጃ ሃገር ኮነ ኣብ ዓለምለኸ ደረጃ ካብኡ ንላዕሊ ዝተሓላለኸ`ዩ ኢሉ።

"ከም ትፈልጥዎ ሕጂ ዘለናዮ ዘመንን ናይ ፖለቲካ ኩነታትን፥ ኣዝዩ ዝተኻረረ ናይ ፖለቲካ ምክፍፋል ስለዝኾነ፥ዝተፈላለዩ ጉጅለታት ወይ ሰባት ንሰብኣዊ መሰላት ካብ ሰብኣዊ መሰላት ወጻኢ ንፖለቲካዊ ረብሓ ይጥቀምሉ`ዮም። ስለዚ ንፖለቲካዊ ዕላምኦም ዘሰጉም እንተመሲልዎም ነቲ ናትና ውጽኢት ይድግፍዎ ዘይጠቕሞም እንተመሲልዎም ድማ ይቃወምዎ`ዮም እዚ ድማ ኣብ ኢትዮጵያ ጥራይ ዘይኮነስ ኣብ ዝኾነ ዓለም ዘጋጥም ተርእዮ`ዩ ኢሉ። ምናልባት ናይ ሓደ ዲሞክራሲያዊ ሕብረተሰብ መግለጺ`ውን ክኸውን ይኽእል`ዩ።"

ይኹን`ምበር ይብል ዶ/ር ዳንኤል፥እቲ ኮሚሽን መርመራ ኣብ ዝገበረሎም ከባብታት፥ ዝኾነ ዓለምለኻዊ ኮነ ሃገራዊ ኣካል እንተመርመረ ዝኾነ ተቓውሞ የብልናን ኢሉ።

ዶ/ር ዳንኤል በቀለ"ንሕና እነካይዶ መርመራ ናጻን ገለልተኛን ኣብ ሓቀኛ መረዳእታ ዝተመርኮሰን`ዩ ኢልና ንኣምን`ኳ እንተኾና፥ተወሳኺ ናይ መርመራ ስራሕ ኣየድልን`ዩ ዝብል እምነት ድማ የብልናን። ናይ ወጻኢ ትካላት ይኹኑ ሚድያታት ካብቲ ንሕና እንገብሮ መርመራ ተወሳኺ መርመራ ክገብሩ ንድግፍ ኢና-ንሕና ኣብ ስራሕና ስለእንተኣማመን ።"

ካልእ ኣብቲ ጋዜጣዊ መግለጺ ዝቐረበ ሕቶ ንኣተሓሕዛ እሱራትን ክሱሳትን ክኸውን ከሎ፥ ኣብዚ`ውን ጸገም ከምዘሎ ዶ/ር ዳንኤል ብምጥቃስ፥ ብምንጽጻር ምናልባት ኣብያተ ማእሰርቲ ኣብ ታሪኽና ካብ ዝነበረ ጥሕሰት ሰብኣዊ መሰላት ዝሓሸ ኩነታት ኣሎ ክብሃል ዝክኣል`ኳ እንተኾነ ሕጂ`ውን ብዙሕ ዝተርፍ ነገር ኣሎ ኢሉ ።

"ኣብ ዝተፈላለዩ ኣብያተ ማእሰርቲ፥ ካብ ትእዛዝ ቤት ፍርዲ ወጻኢ ተኣሲሮም ዘለዉ ሰባት ከምዘለዉ ንርኢ ኢና። ናይ ዋሕስ መሰል ተፈቒድሎም ዘይተፈትሑ ብዙሓት እሱራት ከምዘለዉ`ውን ንፈልጥ ኢና። ኣብ ሓደ ሓደ ቦታታት ብፍላይ ኣብ ከተማታት ክልላት፥ ኣብ ቤት ማእሰርቲ መጥቃዕቲ ዝወረዶም ሰባት`ውን የጋጥሙና`ዮም፣ ስለዚ እዚኦም ኩሎም ዘተሓሳስቡና ጉዳያት`ዮም፣ ብቐረባ ንከታተሎም ኢና- ኣብ ዝተፈላለየ እዋናት ምስ ሰበ-ስልጣን`ውን ክንዘራረበሉ ዝጸናሕናን ቁሩብ ውጽኢት ዝረኸብናሉን ጉዳይ`ዩ ግን ዘይተፈትሐ ጸገም`ዩ የተሓሳስበና`ዩ- ምክትታልና ክንቅጽል ኢና ኢሉ።"

ኣብ ክልል ኦሮሚያ ብዝተፈላለዩ ጉጅለታት ዝተፈጸሙ መጥቃዕትታት ንምክልኻልን ደው ንምባልን ክፍሊ ጸጥታ ዝነበሮ ተራ ከምኡ`ውን ኣገልግሎት ጥዕና ምድንጓዩ ብዝምልከት ዝነበረ ኩነታት ብዝምልከት፥ ዓቃቢ ሕግን ፖሊስን ካብ ዝገብርዎ መርመራ ወጻኢ ናጻን ገለልተኛን መርመራ`ውን ንኽግበር እቲ ኮሚሽን ሓሳብ ምቕራቡ ይዝከር`ዩ።

ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል።

መግለጺ ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰላት ኢትዮጵያ
please wait

No media source currently available

0:00 0:05:29 0:00



XS
SM
MD
LG