ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኣብ ኢትዮጵያ ዝበጽሐት ሓላፊት ጸጥታን ሰብኣዊ መሰላት ኣመሪካ 536 ሚልዮን ዶላር ሓገዝ ትማባጻዕ


ኣብ ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ኣመሪካ ሓላፊት ክፍሊ ህዝባዊ ጸጥታ፡ ደሞክራሲን ሰብኣዊ መሰላትን ዝዀነ ኡዝራ ዘያ
ኣብ ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ኣመሪካ ሓላፊት ክፍሊ ህዝባዊ ጸጥታ፡ ደሞክራሲን ሰብኣዊ መሰላትን ዝዀነ ኡዝራ ዘያ

ኣብ ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ኣመሪካ ሓላፊት ክፍሊ ህዝባዊ ጸጥታ፡ ደሞክራሲን ሰብኣዊ መሰላትን ዝዀነ ኡዝራ ዘያ ሎሚ ኣብ ኣዲስ ኣበባ በጺሓ ኣብ ዝሃበቶ ጋዜጣዊ መግለጺ፡ ንሰብኣዊ ሓገዛት ትሕተ-ሳህራ ኣፍሪቃ፡ መንግስቲ ኣመሪክ 536 ሚልዮን ዶላር ሓገዝ ክገብር ምዃኑ ቃል ኣትያ። እታ ኣመሪካዊት ዲፕሊማት ምስ ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ኢትዮጵያ ታየ ዓጽቀስላሴን ሚኒስተር ፍትሒ ኢትዮጵያ ጊደዎን ጢመቴዎስን ተራኺባ ኣብ ጽቡቕ ምርድዳእ ከም ዝበጽሑ’ውን ገሊጻ።

ኡዝራ ዘያ መንግስቲ ኣመሪካ ኣብ ምስፋን ደሞክራሲ፡ ተሓታትነትን ግሉጽነትን ምስ ኢትዮጵያ ክሰርሕ ዘለዎ ድሉውነት ብምጥቃስ ናጻን ዘይሻራዊን መስርሕ ፍትሒ ክግበር’ውን ጸዊዓ።

እታ ኣመሪካዊት በዓልቲ-መዚ ቅድሚ ሎሚ ኣብ በበይኑ ሃገራት ትሕተ-ሳህራ ኣፍሪቃ ዝበጽሐት ኰይና፡ መንግስቲ ኣመሪካ ኣብ ጽላት ሰብኣዊ ሓገዝ ዝገበሮ ናይ ሓደ ቢልዮን ዶላር ሓገዝ’ውን ገና እዅል ዘይምዃኑ ጠቒሳ። ወሲኻ ድማ መንግስቲ ኢትዮጵያ ኣብ ምሕብሓብ ስደተኛታት ጎረባብቲ ሃገራት ዝግበሮ ዘሎ ኣበርክቶ ንኢዳ።

ቅጥዒ

XS
SM
MD
LG