ምኽትል ሚንስተር ወጻኢ ኣመሪካ ንጉዳያት ኣፍሪቃ ዝነበሩ ሀርማን ኮሀን፡ ኣብቲ Time to Bring in Eritrea from the Cold ዝብል ጽሕፎም፡ ኣብ`ዚ እዋን`ዚ ንኤርትራ ምስ ኣልሸባብ ዘተኣሳስር ዝኾነ መረዳእታ ስለዘየለ፡ እቲ ብባይቶ ጸጥታ ሕቡራት ሃገራት ዝተነብራ ማዕቀብ ክልዓል ኣለዎ ኢሎም።
ኣብ ኢትዮጵያ ኣምባሳደር ዝነበሩ ኣምባሳደር ደቪድ ሺን ብወገኖም፡ ኤርትራ ንኣሸባሪ ጉጅለ ኣልሸባብ ምሕጋዛ ምቕጻላ ዘረጋግጽ መረዳእታ የለን ይብሉ። እቲ ምስ ዩ.ኤስ ምሕዝነት ዝዓግት ዝነበረ ስለዝተኣልየ፡ ምሕዝነታ ምስ ኤርትራ ክተመሓይሽ ክትፍትን ኣለዋ ይብሉ ደቪድ ሺን።
“ኢትዮጵያ ምስ ኣመሪካ ዘለዋ ምሕዝነት ከይጎዳእካ፡ ምስ ኤርትራ ጽቡቕ ምሕዝነት ምግባር ይክኣል`ዩ” `ውን ኢሎም። ኤርትራን ኢትዮጵያን ናብ ንቡር ምሕዝነት ክምለሳ ግን ረብሓ መንግስታተንን ህዝበንን`ዩ ኢሎም ኣተሓሒዞም።
ሳልሳይ ዲፕሎማት ኣብ ደቡብ ኣፍሪቃን ናይጀርያን ኣምባሳደር ዝነበሩን፡ ዝሓለፈ ቀረባ ዓመታት ንተብግሶ ሰላም ሱዳንን ደቡብ ሱዳንን ዘምርሑን ፕሪስተን ላይማን`ዮም። ንሶም ምሕዝነት ኤርትራን ኣመሪካን ንምምሕያሽ ብፍላይ ብወገን ኤርትራ ኸቢድ`ኳ እንተኾነ፡ ሕጂ`ውን ክፍተን ኣለዎ ኢሎም።
ምስ ሰለስቲኦም ነባራት ዲፕሎማት ኣመሪካ ዝተገብረ ቃለ-መጠይቕ ዝሓዘ መደብ ኣብ`ዚ ዝቕጽል ምልክት ብምጥዋቕ ምስማዕ ይክኣል